ኣገዳሲ ሓቤረታ ንኤርትራውያን ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን።

Image result for city seattle

ጸብጻብ ናይ ዕለት 11 ነሓስሴ ናይ’ቲ ብጉልባብ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝብል፡ ብህግደፋውያን  ዘተኻየደ ናይ ሙዚቃ መደብ፡ ህዝቢ ሲያትል ነጺጉዎ፡ እዩ። ኣብ ቅድም’ቲ ቀጽሪ  ኣደራሽ  መደብ ሙዚቃ ሂግደፋውያን፡ ውዕዉዕ ዝኾነ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተቓውሞ ምስ ዝኽተል ጭርሖታት  ከም፡ “ ህግደፍ ሃገርና ግደፍ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን እያ፡ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ  ሕጂ ክወርድ ኣሎዎ፡ እብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትኸል ኣሎዎ ፡ መኣስ ?  ሕጂ ! ዝብል ተኻይዱ።