ምስሉይ መልእኽቲ ስርዓታት ኣስመራን ደማስቆን፡ ኣብ ተግባራት ጭካኔኦምን ዝኸድዎ ርሕቀትን

ብኣሃዱ ስለያ ሰሙናዊ መጽሔት “ ዘኢኮኖሚስት” ትርጉም ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኤርትራን ሶርያን ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ኣብያተ ማእሰርቲ ነናይ ገዛእ ርእሰን ዜጋታት’የን። እዘን ክልተ ሃገራት ብምልካውያን ስርዓታት ክምረሓ እንከለዋ፡ ናብ ስልጣን ኣመጻጽኣ ናይ’ዞም ህዝቢ ዘሳቕዩ ዘለው መለኽቲ ግን ዝተፈላለየ’ዩ። ፕረዚደንት ሶርያ በሻር ኣል ኣሳድ ነቲ ኣቦኡ ሓፊጽ ኣል ኣሳድ ተቖጻጺርዎ ዝነበረ ዝፋን ክወርስ እንከሎ፡ ናይ ኤርትራ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ብመንገዲ’ቲ ዝነውሐን ዝመረረን ሃገራዊ ብረታዊ ቃልሲ ኣቢሉ፡ ንዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ባዶነት ተጠቒሙ ዝጨበጦ በትረ