ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ጅቡቲ፡ ኤርትራ.................

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ጅቡቲ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ ልኡላዊ ግዝኣተን ናብ ወተሃደራዊ መደበራት ሰብ ገንዘብ ይቕየር ምህላው ተገሊጹ። ቅድም ክብል ብመዓስከር ወተሃደራት ፈረንሳ ጥራሕ ትፍለጥ ዝነበረት ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ፡ ቀስ ብቐስ ናብ ዓለማዊ ወተሃደራዊ መዓስከር ትቕየር ምህላዋ፡ ኤርትራን ሶማልያን ድማ ኣሰራ ተኸቲለን ዝተፈላለያ ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣብ ሃገራተን ክኸፍታ ብምፍቃድ ህዝባውን መሬታውን ልኡላውነተን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከም ዘሎ