ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም ኣምለኽቲ ሓደ ሰብ

ፖለቲካ ናይ ምሕደራ ምርጫታት ዝቐርበሉ፡ እቶም ምርጫታት ዝወዳደርሉ፡ ንዕቤት ወይ ንውድቀት፡ ንሰላም ወይ ንኲናት፣ ንሓድነት ወይ ንምብትታን ኣብ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ግደ ዝጻወት ዓውዲ’ዩ። እቲ ዜጋታት፣ ማሕበራት፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ መንግስታት ዝመርጽዎ ዓይነት ምሕደራ ከኣ፡ ንፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ዝውክል’ዩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ድማ ሽዑ ንሽዑ ፖለቲካዊ መንነት የልብሶም። ኮይኑ ግን ዓይነት ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝመርጹ፣ ፈታውን ጸላእን ፈልዮም ዝውግኑ፡ ዝተነጸረ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝሓዙ፣ ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ መንነት ዘለዎም’ዮም፡፡