መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ 272 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ካብ ምጥሓል ድሒኖም

eri

መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተሓበሩ 272 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ምጥሓል ድሒኖም። ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝነጥፍ ዘሎ ሓካይም ብዘይዶብ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ካብቶም ብ2 ነሓሰ ዝደሓኑ ስደተኛታት 57 ደቂንስትዮን 4 ቆልዑትን ከምዝርከብዎም ኣፍሊጡ።