ኣላዪ ኣልቦ ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ካብ ዝኣተው ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ተገሊጹ።

ብ ዓመተ 2016 ጥራሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ወይ ሃገረ ጣልያን ካብ ዝኣተው 25 ሽሕ ኣላዪ ኣልቦ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም፡ ንዝተፈላለየ ሓደጋታት ድማ ይቃልዑ ምህላዎም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹን ምንጭታትና ካብ ሆላንድ ሓቢሮም።