መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘምጽእ...................

መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘምጽእ ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር፡ ብድሑር ናይ ትምክሕቲ፡ ጽበትን በለጽን ኣረኣእያታት ዕሉም ተዋሒጡ ከይወድቕ ምርብራብ የድሊ። ወዲ-ሰብ ጥዕና ምስ ሰኣነ’ዩ ንጥዕና ዝደልያን ዝምነያን። ሰላም ምስ ሰኣነዩ ብዝያዳ ኣድላይነት ሰላም ዝስቆሮን ዝናፍቕን። ዘይማዕርነታዊ ኣድላዊ ምልካዊ ምሕደራ ምስ ኣጋጥሞ’ዩ፡ ብዝያዳ ብዛዕባ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝግደስን ንስለኡ ዋጋ ዝኸፍልን። ልዕና ግዝኣተ ሕጊ ምስ በረሰን ኢደ- ወነናውነት ምስ ነገሰን’ዩ፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ዝጠልብን ንምርግጋጹ ዝቃለስን። ኮታ ውልቀ ዜጋታት ኮኑ ህዝብታት፡ መሰል ምስተነፍጉ፣ ካብ እትዋት ሃገር ተጠቀምቲ ከይኾ