ሓላፊ ዝምድና መሰጋገሪ መሪሕነት ግሃድኤ-ሕድሪ ዕዉት....................

ሓላፊ ዝምድና መሰጋገሪ መሪሕነት ግሃድኤ-ሕድሪ ዕዉት ዕደት ኣብ ጨንፈር እስራኤል ኣካይዱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጨንፈር ኢትዮጵ ዝርከቡ ኣባላት ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ውድብን ሕገ-ህንጻን ዘተኮረ ዓሚቕ ዘተ ኣካይዶም፡፡ ሓላፊ ዝምድና ኣባል መሰጋገሪ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ብጻይ ብርሃነ ገብረመድህን፡ ካብ ዕለት 30 / ሰነ / 2017 ክሳብ ዕለት 01 / ሓምለ / 2017 ምስደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻን ምስ ኣባላት ውድብና ነበርቲ ኣብ  እስራኤልን ብምርኻብ ንቃልስና ዝሕግዝ ዕዉት ርክባትን ኣኼባን ከም ዝገበረ ካብ እቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻጻብ ይሕብር፡፡