የመን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሸሮኽ ይጥቅዑ

ERi

ኣብ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብሕማም ሸሮኽ ይጥቅዑ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ፣ ዱባብን ኾኻን ኣብ ዝተባህላ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ናይ መድሃኒትን መሰረታዊ መግብታትን ዋሕዲ ኣጋጢምዎም ስለዝርከብ፣ እቲ ሕማም ከቢድ ሓደጋ ከየውርድ ተሰጊኡ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣብ የመን ተላቢዑ ዝርከብ ሕማም ሸሮሕ ዛጊት 1300 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።