መግለጺ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፡ ብምኽንያት ዕስራ ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

ሎሚ መዓልቲ፡ ዕስራ ሰነ፡ መዓልቲ ዝኽሪ እቶም ምእንቲ ናጽነት እታ ጠርናፊትን ሓቛፊትን ኩልና ዝኾነት ኣደ መሬት ህይወቶም ዝሃቡ ጀጋኑ፡ መዓልቲ ዝኽሪ እተን ኣብ ጥሙይ ከብደንን ዕሩቕ ዝባነን ዕረን ዓንዴልን መሪሩና ከይበላ በጃ ሓርነት ህዝቢ ትንፋሰን ዝሃባ ሰማእታት ኤርትራ እያ።