ሰፊሕ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ደንማርክ ዓርቢ ዕለት 24 /11/ 2017 ልክዕ ሰዓት1200 ክኸዉን እዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኮፐንሃዉን (Københavns Rådhuspladsen ) ክብገስ እዩ።

በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ዜና ነበር ስርዓት ህግደፍ ኣቶ ባራኺ ገ/ስላሴ ካብ ፖላሶ ተወርዊራ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመት ተሊጹ። (3)

በዓልቲ ቤት ናይ’ቲ ጽገናዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ብምጥላቦም ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ተሸሪቦም ካብ ዘለዎ ኣባላት ጉጅለ 15 ሓደ ዝኾነ ኣቶ ባራኺ ገ/ስላሴ ዝኾነት ተጋዳሊት ምሕረት ኢዮብ፡ ብ13 ሚያዝያ 2017 ካብ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተወርዊራ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመት ረድዮ መድረኽ ሓቢራ።