ሰፊሕ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ደንማርክ ዓርቢ ዕለት 24 /11/ 2017 ልክዕ ሰዓት1200 ክኸዉን እዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኮፐንሃዉን (Københavns Rådhuspladsen ) ክብገስ እዩ።

ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሰግሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም 39 ሚእታዊት ቆልዑ ምዃኖም ተገሊጹ

IOM Endabaguna

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ምዕራብ ሽረ ኣብ ዝርከብ፣ ማእከል ምጽራይ ስደተኛታት እንዳባጉና፣ ካብ ዝምዝገቡ ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም 39 ሚእታዊት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምዃኖም ተገሊጹ። እቶም 14 ሚእታዊት ካብዚኣቶም ከኣ ብዘይኣላዊ ዶብ ዝሰገሩ'ዮም ክብል ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት   (UNHCR) የመልክት።