ምዕባሌ ሕብረተሰብ መንነት

ዓይነታትን ኣተሃናንጻን

I

d

e

n

t

i

t

y

 

T

y

p

e

s

 

a

n

d

 

f

o

r

m

a

t

i

o

n

ህግደፍ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወሰነሉ ብይን እገዳ ክለዓለሉ ንመንግስቲ ቻይና ሓቲቱ

ልኡኽ ህግደፍ ካብ 18-22 ሚያዝያ 2017 ኣብ ህዝባዊት ቻይና ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዋንግ ዪ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበየነሉ እገዳ ክልዓለ፣ ቻይና ደጋፊ ተራ ክጻወት ከም ዝሓተተ ረድዮ ኤረና ብ24 ሚያዝያ 2017 ጸብጺባ።

Add a comment

ካብ 13-16 ሚያዝያ 2017 ክካየድ ዝተመደበን 600 ሰባት...............

ካብ 13-16 ሚያዝያ 2017 ክካየድ ዝተመደበን 600 ሰባት ክሳተፍዎ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ዋዕላ ደቂ ህግደፍ ኣብ ሆላንድ ብሳላ ሓያልን ውሁድን ጻዕሪ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ተሰሪዙ

Add a comment

መን እዩ ፎሮ-12 (Foro12) ???

ንዓና ዝሕበኣና ምስጢር የልቦን፡ ከነረካክበሉ ወይ ክንረክቦ እንደሊ ኣንስቲ ሓዳር እውን ኣመንዚርና ክንረክቦ ንክእል !!! ትምክሕታዊት ጃህራ ህግደፍ፡ ስኣን መካቲኣን ተርጋሚኣን ምድህሳስ ኣብ ኩሉ ምንቅስቃሳት ተሰኩዖም ዘገልግልዋ ብዘይምልላይናን ምቅላዕናን፡ ንሶም ናብ ሕንከትና ዓላማኦም ንሕና ከኣ ብተባህለ ተገብረ ስዉር ፈተኒኦም ከነዕልል ሽግር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ክንዲ ምርካብ ፍታሕ፡ ብሓሳክ መዝሙራቶም ክንፋሓፋሕ ዝሓልፍ ዘሎ ግዜ ብዙሕ እዩ፡፡ ህግደፍ ንዕላምኦም፡ ንሕና ከኣ ብዘዘንትዉልና መቃልሖም ኬንና ምትራፍና ወጻዕ ህዝብን ሃገርን ስርዓት ሸፋቱ ህግደፍ ዘይኮነ ተከሰስቲ ንሕና ምኳንና ክንዝንግዖ ዘይግባእ ሓቂ እዩ፡፡ እዚ ሽፍታ ጉጅለ ህግደፍ ዘዋፍሮም ስለያ ዝወደቁን ሓላፍነት ዘይስምዖምን ምኳኖም እዩም፡፡

Add a comment

ህግደፍ ተሰጒ መለመኒኡ ተዓሺጉ

እልል በል ህዝበይ ህግደፍ ተሳዒራ

ዝኣመንዋ ዕርዶም ትማል ተሰቢራ

ተሓጎስ ደላይ ፍትሒ ጻማኻ ሲዒራ

ወልፊ ጓይላ ዝነበራ ተሪፋ ኣንቃዕሪራ

Add a comment

ሓጺር ቃል ፈነዋ ዕረፍቲ፡ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ማሪቆስ ናይ ሃገር ኤውሮጳ ሊቀ ጳጳስ

ደሓን ኩኑ ብጹእ ወቕዱስ፡ ኣቡነ ማሪቆስ ኣቦና፡
ናይ ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ፡ ርእስና ድባብና፡
ደብረ-ሰላም ዝቐባእኩም፡ ቤት መድሕን ዓለምና፡
ብስሬትኩም ጸሎትኩም፡ ጠሊ ሕደጉልና።

Add a comment

ርሑስ በዓል ፋሲካ

ምኽንያት በዓል ፋሲካ፣ ንኹሎም ኣመንቲ ክርስትና፣ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ክርስትያን፡ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈታሓልኩም ብምባልርሑስ ብዓል ፋሲካ ክኾነልና ባዊ ምንዮትና ንገልጽ። ዝመጽእዓላትና ኤርትራ ሃገርና ካብ ምልኪ ተናጊፋ፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ ስርዓት ተኺላ፣ ዓለምና ከኣ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝሰፈነሉ ኩነታት ክነብዕሎ ተስፋ ንገብር።

Add a comment

መዳርግቲ ዘይብሉ መጠነ-ሰፊሕ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ መዓትን ኣደራዕን መጠነ-ሰፊሕ ስለ ዝዀነ መዳርግቲ የብሉን። መንግስቲ ዝመስል ግን ከኣ ናይ ሸፋቱ ዝስርሑ ህግደፍ ናይ ህዝብና ሰብኣዊ-መሰላት መንዚዑ፣ ቊጠባዊ ዓቕሙ ኣዳኺሙ፣ ፖለቲካዊ መሰላቱ ሓሪሙ፣ ፈትሊ ማህበራዊ ዝምድናታቱ በታቲኑ ወዘተ ንዕስራን ሽዱሽተን ዓመታት ክኸይድ ጸኒሑ ገና ድማ ይቕጽል ኣሎ። ብሕጽር ዝበለ ህግደፍ ንህዝብና ኣብ ዓቢ ጸገም ኣእትይዎ ይርከብ። ብምዃኑ ዝኸኣለ ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና ኣብ’ታ ሃገር ናይ መጻኢ ተስፋ ስለ ዝሰኣኑ ካብ ናይ ቀደም ብዝኸፍአ መልክዑ ናብ ስደት ገጾም

Add a comment

ሃብቲ ዓሳ ኤርትራ ብወጻእተኛታት ይምዝመዝ ኣሎ።

ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ብዝርከባ ሃገራት ከምኒ የመንን ምስርን፣ ኣብ ማያትን ዘሎ ዓሳታት ከይ ኣኸለን፣ ኣብ ማያት ኤርትራ ብምእታው፣ ሕጊ ዘይፍቅዶ ኣገባብ ምግፋፍ ዓሳ ብምጥቃም፣ ብዝተራቐቕን፣ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ብዝኾነን ኣገባብን ናውትን፣ ለይቲ ምስ መዓልቲ ገደብ ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳታት ኣብ ገማግም ኤርትራ የካይዳ ምህላወን፣ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝላኣኽዎ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ። ሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ግምት ዘይወሰደን፣ ዓሳታት ዝፈርዩሉን ዝዓብዩሉን ግዜ ፈጺሙ ዘየገድሶን፣ ወፍሪ ዓበይቲ ኮባንያታት ምስሪ፣ ንሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ዘዕኑ ኣገባብ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ፍጹም ምጽናት ዘብጽሕ ኣገባብ ይኽተላ ምህላወን፣ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዓሚቚ ፍልጠትን ተመክሮን ዘለዎም ኤርትራውያን ኣጠንቂቖም ክብል እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

Add a comment

ተልእኾ ቃልሲ ንሓርነትና ንምዕዋት፡ ተሳትፎ ተቓለስቲ ይዕዘዝ !!!

ከም ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ዓይነት ውዳቤታት እንካይዶ ዘለና ቃልሲ ንሰብኣዊ ክብርን ንመላእ ምርግጋጽ ሉዑላውነትን ዛጊት ፊሒት ክብል ዘይመኽኣሊኡ ምኽንያታት ንምጥቃሱ ይኹን ንምትንታኑ እንብዛ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡፡ እቲ ዘሕዝን ድማ ተሓታትን ሓታትን ዘይብሉ ሕድ-ሕዱ ዝወቓቐስ ደምበ ተቓዉሞ ሃገርና ካብ ቆይቝ ወጺኡ ገለ ንኽገብር ብጉስ ዘይምዃኑ ኢዩ፡፡

Add a comment

ኣብ ሆላንድ ክኻየድ ዝተሓስበ ኣኼባ መንእሰያት ህግደፍ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሆላንድ ክኻየድ ዝተሓስበ ዓለምለኸ ኣኼባ መንእሰያት ህግደፍ (YPFDJ) ተቓውሞ ከምዘጋጠሞ ይግለጽ ኣሎ። ብዛዕባ'ቲ ተቓውሞን ዝነበረ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዩሃንስ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Add a comment

ኣብ ዘጋጠመ መዋእል የጋጥም፡ ዝተዋህበ ምኽንያት’ውን ይወሃብ፡ ባርነት ኢ-ሰባዊ ገበን’ዩ።

እንተደኣ መሰል ማለት ካብ ተፈጥሮ ዝወሃበካ፡ ሓላል ህያብ ኮይኑ፡ ባርነት ከኣ ብኣንጻሩ ነዚ ናይ ተፈጥሮ ህያብ ወይ ትዕድልቲ ይነፍገካ ኣሎ ማለት’ዩ። ካብ’ዚ ዝተበገሰ’ውን ሓደ ሰብ ባሪያ/ጊላ እናተባህለ ዝጽዋዕ። ተፈጥሮኣዊ ይሃቡ ዝተደፍረ ዝተመንዘዐ ስለ ዝኾነ። ባርያ ተፈጥሮኣዊ መሰሉ ዝተቐንጠጠ ፍጡር ማለት’ዩ። ንዓና ደቂ-ሰባት ጊላነት መፋጥርትና ኣይኮነን። ስርዓተ ጊላነት ግን ከም ተርእዮ ንብዙሕ ዘመናት ተራእዩ’ዩ። ጊሎት ድማ ኣንጻር ወነንቶም

Add a comment

ኣብ ሆላንድ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ህግደፍ ሰሚናር ተቛሪጹ

ህግደፍ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ኩሉ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ-ሰባት ዓፊኑ ንህዝብና የሳቒ ከም ዘሎ ንዓለም ብሩህ ዝዀነ ጉዳይ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ህዝብና ሃገሩ ጠንጢኑ ንስደት ይጐዓዝ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ህዝብና ንኣደዳ ዝተፈላለዩ መቕዘፍትታት ተቓሊዑ ይርከብ። እልቢ ዘይብሎም መንእሰያት ከኣ ኣብ ባሕሪ ክጠልቁ ንርኢ ኣለና።

Add a comment

ስሉስ ኩርናዕ ብራስሉስ ካርቱም ኣስመራ፡ ዝተገፍዑን ዝደኸሙን ስደተኛታት ንምግፋዕ

ስደት ከም ተርእዮ ብዓይኒ ጂኦግራፊካዊ ወይ ዓሌታዊ ቅድሚ ምምዛንካ፡ መበገሲኡ ክትርዳእ ምኽኣል ብስለት’ዩ። ሰብኣውነት ዘመልክት ሓላፍነታው እውን’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ መታን ከይቃጸጹኻ ከየጻቡብልካ፡ መን’ዮም፣ እንታይ ዝኾኑ’ዮም፣ ካበይ ዝመጽኡ’ዮም፣ ንዓና እንታይ ግበሩ ይብሉና? …ወዘተ እናበልካ ያላ ናብ ዝመጽእዎም ምለስዎም ኢልካ ብታህዋኽ ብዓይኒ ዕሙተይ ስጉምቲ ክትወስድ ብዝኾነ መዕቀኒ ምኽንያታዊ ኣይኮነን። ሰብኣውነት ዘለዎ’ውን ኣይኮነን። ብዓይኒ ኣህጉራዊ ውዑላትን ስምምዓትን ንምኽባር መሰል ስደተኛታት’ውን ዝድግፎ ኣይኮነን። ስለዚ ቅድሚ ኣብ

Add a comment

ህላዊ ዓለማዊ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ናብ’ቲ ዝሓለፈ መድረኽ ዝሑል ኲናት ገጹ ይምለስ ከም ዘሎ ዘመላኽቱ ተርእዮታት ይኽሰቱ ከም ዘለው ተገሊጹ።

ግብረ ሽበራውያን ሓይልታት ዘውርድዎ ዘለው ሞትን ዕንወትን ከይኣክል፡ ተነሓናሕቲ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ብዓለምን ብዞባን ደረጃ፡ ጸቢብ ረብሓታቶም ከረጋግጹ ክብሉ፡ ኣብ ልዕሊ ፍትሓዊ ሕቶ ኣልዒሎም ዝቃለሱ ህዝብታት ዝገብርዎ ዘለው ኢድ ምትእትታውን ዝፈጥርዎ ዘለው ጎንጽታትን እናበረኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ህልዊ ኩነታት ሃገረ ሶርያ ኣብነት’ዩ ክብል ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

Add a comment

መደባት ህግደፍ ንምብርዓን ዝካየድ ግብራዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ይሰረት፡-

ህግደፍ እንታይ ዓይነት ባህሪ ኣለዎ፡ ነየናይ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ ከ ይውክል፡ ንኽንደይ ዝኾኑ፡ ብከመይ ከ ክውገድ ኣለዎ? ካብ ቅድሚ ምውጋድ ስርዓት ደርግ ብመልክዕ ነቔፈታዊ ደገፍ ገለ ኣመት ክወሃብ ጸኒሑ። ካብ ‘ቲ ናይ ውድባት ሓሽውየ ዝበለሉ 1991 ከኣ፡ እዚ ንናይ ዜጋታት ፖለቲካዊ ርእይቶታትን ኣማራጺታትን ብሓሽውየ ዘቆናጽብ መግለጺ፡ ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ነየሕድረኒ” ከም ዝተባህለ ኣብ’ቶም ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ርእይቶ ሒዞም ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ቀሪጾም ብቕሉዕ ዝቃለሱ ውድባት ጥራሕ ዘነጻጸረ ከምዘይኮነ በሪሁ። ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ዝተኣወጀ ኲናት’ዩ ዝብል’ውን ብወግዒ ብደረጃ ኣኼባታት፣ ሰሚናራት፣ ፖለቲካዊ ኮርሳት፣ ጽሑፋዊ ሰነዳት እናተዘርበሉን እናተተንተነን

Add a comment

ፖሊሲ ምፍራስ ኣባይቲ መንግስቲ ኤርትራ ንከተማ ሓጋዝ'ውን ኣረኻኺቡላ

HAGAZ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ምዕናይ ኣባይቲ፣ ኣብ ሓጋዝ ሓያሎ ኣባይቲ ከምዘዕነወ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ኣባይቶም ክዓኑ ምዃኑ ዝተሓበሮም ስድራቤታት፣ ባዕሎም ክወጹ ናይ ዓሰርተ መዓልታት መጠንቐቕታ ከምዝተዋህቦም ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ዝበዝሑ እቶም ስድራቤታት ነቲ ናይ ምፍራስ ፖሊሲ ብምቅዋም ካብ ቤቶም ከይወጹ'ዮም ጸኒሖም።

Add a comment

ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዘሎ ሕጽረት ማይ እናበኣሰ ይኸይድ፡ ንሓደ ፊስቶ ማይ 60 ናቕፋ ይግዛእ ከምዘሎ ተፈሊጡ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ማይ ጸገም ወዲቑ ከም ዘሎ፡ ማይ ዘዙራ ቦጣት እንተረኸበ ከይደቀሰ መስርዕ ሒዙ ክጽበ ከም ዝሓድር፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ትጽብይ ሓዲሩ ጥራሑ ገዛኡ ከም ዝምለስ፡ እንተሰሊጥዎ ከኣ ንሓደ ፊስቶ ማይ ብ60 ናቕፋ ከም ዝገዝእ፡ ብከምኡ ገዚኦም ክጥቀሙ ዘይኽእሉ ስድራ ቤታት ብጽምኢ፣ ርስሓትን ስእነት መሳርሒ መግብን ይሳቐዩ ምህላዎምን ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ19 ሚያዝያ 2017 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና

Add a comment

ጻዊዒት ንኹለ ህዝቢ ጀበርቲ !!

 ንኤርትራ ከም ሃገርን፡ሃገረ ብዙሓትን ዘስምይዎ እቶም ብብዙሕነቶምን ፍልልዮምን ፡ንሓዯ ረፋዴ እውን ይኹን ባዕሊውን ሓዴሕዲውን ጸገማት ፈጢሮም ፡ተሸጊሮምን ተሊቲሞምን ዘይፈልጡ ፡ብጭዋን ስልጡንን ህዝባዊ ስነ-ምግባራዊ ምሪሕታትን ኣነባብራን ፡ተሓቛቒፎም ዝነባበሩሇን ፡ኣብ እዋን ጸገምን ራህዋን ጥሙራት የእዲዎም ዘይፈሊሇያ ፡ ብፍቶታዊ ሓዴነቶም ዝልሇዩን ፡ነዞም ንሓዯ ዕሊማን ኣብ ሓዯ ሜዲን ዝተዋዯቑ ህዝቢ ንምግንዛይ ኣብ ዝተፈሊሇዩ እዋናት ዝተካየደ ፈተነታት ዘይርሳዕ’ዩ ፡ መቐጸልታ ናይዚ ዴማ ኣብዚ

Add a comment

“እሳላማዊ ሽበራ” ?!

“እሳላማዊ ሽበራ” ዝብል ኣበሃህላ ስነ-ሞጎታዊ መበገሲ ዘይብሉ፤ ንእስላም ፎፕያ ዝዕንግል፤ኣብ መኣዲ ሰላም ደቂ ሰብ ዝንስነስ ዘሎ ስሚ`ዩ። “እሳላማዊ ሽበራ” ዝብል ኣበሃህላ በቶም ዉርዙያት ዝበሃሉ መራሕቲ ኣውሮጳ እንተላይ ክበሃል ምስማዕ፤ጽባሕ ከኣ ከም`ቲ ልሙድ ብገለ ባባጋሎ መራሕቲ ኣስላም ክድገም`ዩ። ወዮ ዙሩግ ከኣ ክዘራረግ`ዩ። እተን ኣሓ ከኣ ጽሩይ ማይ ክሰትያ ኣይኮናን።

Add a comment

ኤርትራ፣ሰሜን ኮሪያን ምጥሓስ እገዳ ኣፅዋር ሕቡራት መንግስትን

ኤርትራ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ኣፅዋር ብምጥሓስ ካብ ሰሜን ኮሪያ ወታደራዊ መራኸቢ መሳርሕታት ገዚኣ ክብል ሓደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሪፖርት ከሲሱዋሎ።ብሰንኪ እዚ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ማዕቐብ ኣንቢራላ።

Add a comment

ሓጺር ኣራሚ መግለጺ ካብ ማሕበረሰብ ጀበርቲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ

ዝኸበርኩም ህዝቢ ኤርትራ ብምቕዳም ስላም ብሓበራ፡፡ ንኩሉኹም ኣመንቲ ክርስትና ድማ ርሑስ ፋሲካ።ከምዝፍለጥ 10ሚያዝያ 2017ዝዕለቱ ናብ ረድዮ ኣሰና ዝተላእከ ውልቃዊ ጽሑፍ ኣንቢብናን ክንበብ ሰሚዕናን ኢና። ኣብ ራብዓይ ፓራግራፍ ናይቲ ዝወጸ ጽሑፍ ምትእኽኻብ ደቂ ጀበርቲ ወይ ማሕበር ጀበርቲ ኣብ ዓዲንግሊዝ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር “ንሳቶም’ዶ  ኣይኮኑን ስለ’ቶም ኣብ ባሕሪ መደትራንያን ንዝሃለቑ ግዳያት ላምፐዱሳ ንዑናይ ሽምዓ ንወልዕ ምስ በልናዮም ዕጭ ዝበሉ! ንሕና ግን ዓቕምና ብዝፈቕዶ ፡ ዘኪርናዮምን በኺናሎምን ኢና ……..” ዝብል ኣንቢብና፡፡ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ማሕበርና ኣብ ባሕሪ ንዝሃለቑ ግዳያት ደቅና ሓቢርካ ክሕዘነሎም ተዓዲሙስ እምቢ ከም ዝበለ እዩ ዘስምዕ፡፡ ሰብ ነዚ ፈጠራ’ዚ ሰሚዑ እንታይ ከም ዝብል ንምግማት ድማ ከቢድ ኣይኮነን። እሞኸ ደኣ ብልክዕ ሽምዓ ንምብራህ መንዩ ዓዳሚ፡ መንዩ’ኸ ተዓዳሚ ዝነበረ? እቲ ዕድመ’ኸ በየናይ ኣገባብን ኣበየናይ ዕለትን እዩ ተገይሩ? እቲ ዕጭ ዝብል መልሲና’ኸ መዓስን ብኸመይ ኣገባብን’ዩ ነይሩ? ዝብል ሕቶታት ክቐርብ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ ክምለሰልና ምደለና።

Add a comment

ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ኣህጉራዊ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መበል 15 ዓመቱ የቑጽር

Issu Meles

ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ናይ መወዳእታን ቀያድን ኣህጉራዊ ብይን ኮሚሽን ዶብ መበል 15 ዓመቱ ኣቝጺሩ። መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብዶብ ኣሳቢቦም ኣብ 1998 ዝወልዕዎ ኵናት፣ ልዕሊ 100 ሽሕ መንእሰያት ድሕሪ ምህላቑን ሚልዮናት ከኣ ካብ መነባብርኦም ድሕሪ ምምዝባሉ፣ ኣብ ታሕሳስ 2000 ዓ.ም ኣብ ኣልጀርስ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተሙ ይዝከር።

Add a comment

ስርዓት ህግደፍ ብስም መኸተን ልምዓትን ዝቐረጾ ሓድሽ ዞባዊ ምምሕዳራት፡ ትርፉ ወጮ እንተገምጠልካዮ ወጮ’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ ብውልቀ ገብራያ ሓዳጋይ መራሒኡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ብስም ልምዓትን መኸተን ንኤርትራ ኣብ ሰለስተ ዞባታት፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ከኣ ከም ራብዓይ ዞባ ተቖጺሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ህግደፍ ክመሓደር ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ሓድሽ ኣወዳድባ’ዚ ንምንታይ ኣድለየ? ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ስርዓት

Add a comment

ወሳኒ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን።

ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና መንእሰይ ወለዶ ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምስ ባህሪኡን ድሕረ ባይታ ናይ ኣመጻጽኣ ህዝባዊ ግንባርን ኣተሓሒዝና፡ እዚ ጃንዳ’ዚ ንጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓኡ ክብል ንመንእሰይ ወለዶ ብወተሃደራዊ ስነ-ኣእምሮን ጥርናፈን ንዝወሃብዎ ቀጢን ትእዛዝ ጥራሕ ዝፍጽም ንነዊሕ ዓመታት ክሰርሓሉ ምጽናሑ ርኢና ምንባርና ዝዝከር’ዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ ትሕቲ ብልሽው ምሕደራ ህግደፍ ብትምክሕትን ድሑር ሕብረተ- ሰብኣዊ ሕማማት፣ ብሓሶት፡ ስርቅን ምንዝርናን፣ ውልቃውነትን፣ ዝመሽመመሸ ባህሊ ክጽሎን፡ ኣብ ትሕቲ ምሕረቱ

Add a comment

ኣተሓሳስባና እንተሃብቲሙ፡ ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኣኽቲሙ”

እዛ ረዚን መልእኽቲ ዘለዋ ግጥሚ፡ መምህር ህይወት ነብፍስሄር ኣብራሃም ኣፈወርቂ ካብ ዘፍረየን ደርፍታት ውሽጢ’ያ ትርከብ። ልክዕ’ዩ ሰብ ህይወቱ ብግቡእ ዝመርሕ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ብዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ መጠን ዕምቆትን ስፍሓትን’ዩ። ወዲ-ሰብ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘለዎ ፍጡር’ዩ። ብግቡእ እንተተጠቒምሉ፡ ይሓትት፣ ይምልስ፣ የመዛዝን፣ የገናዝብ፣ ይግምት፣ ይከራኸር፣ ይመራመር፣ ይትንትን፣ ይፍትሽ፣ ይምህዝ፣ ይውስን …ወዘተ። እዚኦም ወዲ-ሰብ ብኣእምሮኡ ካብ ዘሰላስሎም መሰረታዊ ነገራት ገለ ኣብነታት’ዮም።

Add a comment

ንገዛይ ሰለስተ ግዜ ተሳሊመ ተፋኒየያ

ብርሃነ፡ ወዲ ጋሽ-ባርካ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግር ዘጋጠሞ ብደሆ፡ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተገብረሉ ምቕሉል ኣቀባብላን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ መቐባሊ ኣጋይሽ እንዳባጉና ናብ መዓስከር ሕንጻጽ ምስ ከደ ዝተዓዘቦን ዝፈጠረሉ ስምዒትን’ውን በቲ ምቕሉል ኣቀራርባኡ ግርም ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እንዳባጉና መቐበሊ ኣጋይሽ’ዩ። ግን ኣዝዩ ሕማቕ’ዩ። ስለምንታይ ኩሉ ሰብ ኣብኡ ስለ ዘዕርፍ። ኣነ ክልተ ለይቲየ ሓዲረ። ብትዃንን ቁማልን ድማ ከይደቀስኩ ሓዲረ ይብል ብርሃነ። ኣብ ሳልስቱ ግን ክልተ ኣውቶቡስ ተዳሊየናልና ብስምና እናተጸዋዕና ነፍስ ወከፍና ድማ 30 ብር ተዋሂቡና

Add a comment

ዓቢ እስሪ ቤት ኮነት ኤሪትሪያና..

ይሓልፍ ዶ ይኸውን...

እዚ ኹሉ ጭቖና ራዕዲ???

መንእሰይ ዶብ ክሰግር...

ክሃድም ካብ ውልቀ መላኺ

መሬትሲ ሓራ ወጺኣ ይበሃል...

Add a comment

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድሪ

ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ መሰጋገሪ መሪሕነት ፈጻሚ ኣካል ቃልስና ምስ ኩነታት ጸላኢና ተዓጻጻፍነት ከም ዝሓትት ርእዩ

Add a comment

ኤርትራ፣ ብስም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝፍጸም ዝምታን ክትራንን ገኒኑ

Nakfa weyal

ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኢና ብዝብሉ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ክትራንን ዝምታን እናገነነ ይመጽእ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት እቶም ምንጭታት ዝልኣኹልና ሓበሬታ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ገንዘን ንዝተሓወለሎም ሰባት እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ብስም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዝፍጸም ዘሎ ክትራንን ዝምታን ይኾኑ ከምዘለዉ ኣስሚሮም።

Add a comment

ናይ ምስጋና መግለጺ

ር ቍ.1 ተኸታተልትን፡ ጻማሕበር ረዲኤትን ምEባሌ ኤርትራ፡ ኣብ ኵለን ኣብ Iትዮጵያ ዝርከባ መዓስከር ስደተኛታትን፡ ኣብ‘ተን ምስ Iትዮጵያ ዝዳወባ ኪኒንን ቅኒቶን ዝበሃላ ክልተ ኤርትራውያን ዓድታት፡ ዘካየደቶ ስርሓትን፡ ዝተበቶ ሓገዛትን ብሰፊሑ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ብቃለ መጠይቕን፡ ብቪደዮታትን፡ በኣሳEልን ተገሊጹ Iዩ። ካብ መቕድም መን ይቕድም ከም ዝበሃል ከኣ፡ ሽግር ስደተኛታት ኣሕዋትና ንምቅላል ንኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብና፡ ሓገዙ ከበርክት ማ.ረ.ም.ኤ ንኣባላትን፡ ናይ ፓልቶክ ስመ

Add a comment

ብሰንኪ ሕማም ኮለራን፣ ግፍዕኛ ኣተሓሕዛ ስርዓት ህግደፍን፣ ኤርትራውያን እሱራት ህይወቶም ይስእኑ ኣለዉ።

ብዘተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ “ሕሽፈራይ” (ከባቢ ሓጋዝ) ተኣሲሮም ዝነበሩ፣ ብሰንኪ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተዘርጊሑ ዝርከብ ተላጋቢ ሕማም ኮለራ ብዙሓት ብከቢድ ተጠቒዕም ምህላዎም ተፈሊጡ። ካብኣቶም 21 ዝኾኑ ኣብ ሆስፒታል “ግላስ” ተወሲዶም ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ምክትታል ከም ዝርከቡን፣ ሰለስተ ካብ’ቶም ዝተረፉ እሱራት ድማ ህይወቶም ከም ዝሳኣኑን ተረጋጊጹ። ምኽንያት ሞት ናይ’ዞም ሰለስተ ከኣ፣ ኣብ መንጎ ሓካይምን ኣብ መንጎ ናይ ጸጥታ መርመርትን ብሰንኪ ዘይ ምስምሞዖም ምኻኑ ተሓቢሩ።እቶም መርመርቲ፣ ናይ’ቲ ተኣሲሮሙሉ ዘለዉ ጉዳይ ብዝምልከት ዝካየድ ዘሎ መርመራ ብግቡእ ሰለ ዘይተወደአ፣ ንሕክምና ኣይወጹን ኢዮም ኢሎም ክውስኑ ከለዉ፣ እቶም ሓካይም ከኣ፣ ቀልጢፎም ናብ ሕክመና እንተ ዘይተላኢኾም ኩነታቶም ኣዚዩ ኣስጋኢ ስለ ዝኾነ ብቅጽበት ናብ ሆስፒታል ክለኣኹ ኣለዎም ዝብል ርእይቶ ኣቕሪቦም። ዝምልከቶም ሓካይም እዚ ኢሎም ከብቅዑ፣ ጸጥታ ህግደፍ ግን ህይወት ናይ ዜጋታት ፈጺሙ ዘይገድሶም ምዃኑ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ ስለ ዝኾነ፣ ነቲ ብሓካይም ዝቐረበ ርእይቶ ብምንጻግ እቶም ሰልስት እሱራት ህይወቶም ከም ዝስእኑ ገይሮም ክብሉ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ’ቲ ቦታ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

Add a comment

ህዝባዊ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ስቱትጋርትን ከባቢኣን / ጀርመን

ኣብ  ስቱትጋርትን  ከባቢኣን / ጀርመን  እንነብር ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ኤርትራውያን  ድሕሪ  እቲ  ብዕለት 23 ሰነ 2016 ዓ.ም.ፈ  ብዓይነቱ ኮነ ብብዝሒ ተኻፈልቲ መወዳድርቲ  ዘይርከቦ  ድሙቕን  ሰፊሕን ኣብ ዙርያ ቀጽሪ ህንጻ  ውድብ  ሕቡራት ሃገራት ዓለም ጀነቫ/ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ኣዎንታዊ  ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሽዑ ንሽዑ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ደኺምና ከይበሉ ንወርቃዊ ጊዜኦምን ጒልበቶምን ከይቖጠቡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብምእካብ ንምእንቲ ሓልዮትን ድሕነትን ሕዝቦምን ትውልዲ ሃገሮምን ኤርትራ፡ ክላዘቡን ክረዳድኡን ጸኒሖም ኢዮም። በዚ ከኣ ንዂሉ ዕንቅፋትን ተጻብኦን ሰጊሮም ቅዋምን ውሽጣዊ መምርሕታትን ጥርናፌኦም  ኣዋዲዶም ብምጽፋፍ ቀዋሚት ሽምግለ ንምምራጽ ናብ ጒባኤ የምርሑ ኣለው።

Add a comment

“መዓልቲ ጀበርቲ 2017” ንመበል 7ይ ግዜ ኣብ ጀርመን ብውዕውዕ ኣገባብ ተባዒሉ

ዓመት መጸት፡ ብዙሓት ደቂ ብሄረ ጀበርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ኣብ ሙንቸንግላድባኽ (ጀርመን) ተራኺቦም ንዘሕልፉወን መዓልታት ብህንጡይነት ኢዮም ዝጽበዩ፡፡ ተራኺቦም ጉዳያቶም ዝመኻኸሩሉን ኣዝዮም ኣገድስቲ ኣርእስታት ብምልዓል`ውን ዝዝትዩሉን ወርቃዊ ኣጋጣሚ መራኸቢት ቦታ ብምዃን ዘይሕከኽ ታሪኻዊ ጦብላሕታ ትገድፍ ኣላ፡፡ እዚ ዓመት-ዓመት ዝውደብ ኣጋጣሚ፡ መርኣያ ናይ መንነትካን ክብርታት ሕ/ሰብካን

Add a comment

በትሪ ዘቐበለ ከም ዝሃረመ ይቑጸር

ኣብ መንጎ ክልተ ሰብ ነገር ኣትዩ ኣብ ክንዲ ንፍትሕን ንሰላምን ደው ዝብል፡ ናብ ሓደ ሸነኽ ወጊኑ በትሪ ኣቐቢሉ፡ ንሱ ዝደልዮ ክስዕር እቲ ካልእ ድማ ጉድኣት ክወርዶ’ሞ ክሰዓር ዝተሓባበረ ከም ዝሃረመ ይቑጸር ይብሉ ሰብ ሞያ ሕጊ። ኣማን ብኣማን ቅቡል ሓሳብ’ዩ። በትሪ ንዘይነበሮ ዓመጸኛ በትሪ ዝሃበን በቲ ዝተቐበሎ በትሪ ሃሪሙ ደም ዘይፍሰሰ ወይ ህይወት ሰብ ዘሕለፈን ኩሎም ካብ ገበናዊ ተሓታትነት ነጻ ክኾኑ ኣይግባእን። ምኽንያቱ እንተዘይትደፋኣኒ መን መጽደፈኒ” ከም ዝበሃል ናትካ ጠቕሚ ወይ ርእይቶ ከተረጋግጽ ክትብል

Add a comment

ኤርትራዊ ምሁር ኣለኻዶ ደሃይካ ጠፊኡና!

ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዓለማዊ ኩነታት፡ እንኮላይ ሃገርናን ንዞባናን ሓዊስካ ንኹለን ዘይማዕበላ ሃገራት ዝትንክፍ ሓድሽ ውድዕነት ይቀላቐል ኣሎ። ንብዙሓት ዞባዊ ምትእስሳራትን ሃገራትን ዘሻቕል ዓለማዊ ዛዕባ ኮይኑ ድማ ይርከብ። እዚ ብተደጋጋሚ ንሰምዖ ዘለና ዜና’ዩ። ብፍላይ፡ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ምውጻኣ፡ ሓድሽ ፕረሲደንት ኣመሪካ ኣብ ስልጣን ምምጻኡን ተተሓሒዙ፣ ኣብ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኔዘርላድን፡ ጣልያን ተመሳሳሊ እምነታት ዘለዎም ናይ የማን ሓይልታት፡ ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብ ኤውሮጳ ዝፍጸም ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትን መዝሚዞም፡ ጸቢብ ሃገራዊ ረብሓታቶም ንምርግጋጽ ዓሊሞም ዝኸድዎ ዘለው፡ ኣብ ዓለማዊ ኩነታትና ሓድሽ ኣሰላልፋ ናይ ሓይልታት ይቀላቐል ምህላው ዘመላኽት’ዩ። እዚኦም ነቲ ዝሓዝዎ እምነት ኣብ ካልኦት ህዝብታትን ሃገራትን መታን ክሰርጽ፡ ብሰፊሑ ክወፍርሉን ክጉስጉስሉን ምዃኖም ብወግዒ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ዘለው’ዩ።

Add a comment

ናይ ዕቑባ ሕቶኦም ተቐባልነት ምስ ረኸቡ....................

ናይ ዕቑባ ሕቶኦም ተቐባልነት ምስ ረኸቡ፡ ብዝተፈላላዩ ሽፋናትን ምስምሳትን ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳይ ኣዛራቢ ይኸውን ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣትዮም ብስርዓት ህግደፍ ዝተገፋዕና ኢና’ሞ ፖለቲካዊ ዕቑባ ይወሃበና ኢሎም ብዘቕረብዎ ጥርዓን ተቐባልነት ምስ ረኸቡ: ናብ’ቲ ገፋዒ ዝበልዎ ስርዓት ዝምለሱ ገለ ኤርትራውያን
ስደተኛታት፡ ኣብ ብዙሓት ኤውሮጳውያን ኣግራሞት ፈጢሩ፡ እቶም መንግስታት ቅድም ክብል ዝነበሮም

Add a comment

ውሁድ ተበግሶን ትብዓትን መሰረት ኣንጻባራቒ ፖለቲካዊ ዓወት

ይዕበ ይንኣስ ንብዙሓት ዝምልከት ስራሕ፡ ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ትልሚ፡ ነቲ ትልሚ ናብ ተግባር ዝትርጉም ኣወዳድባ፡ ኣነ ንእምነተይ ንመሰለይ ዝብል ውሽጣዊ ሕራነን እንተረኺቡ ከድምዕ ከስምዕ ውሁብ ነገር’ዩ። ከም’ቲ ዝተጠምራ ኣጻባዕ ኣርቃይ የንጸበዓ” ዝበሃል ምስላ ውጹዓትን ብዙሓትን ጸላእን ፈታውን ኣለልዮም፡ ጸገማቶም ቀዳማይን ካልኣይ ሰሪዖም ሓባራዊ ኣገንዝቦ ኣማዕቢሎም፡ ሓባራዊ ተበግሶን እንተወሲዶም መደባት ጸላኢኦም ከበርዕኑ ኣንጸባራቒ ዓወት ድማ ክሓፍሱ ከም ዝኽእሉ፡ ኣንጻር መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ዝተሰለፉ

Add a comment

ሪፖርታጅ መዓልቲ ከቢረ 2017 ኣብ ስቶክሆልም

ብዕለት 08/04/2017 ”መዓልቲ ከቢረ 2017” ብተኸታታሊ ንሻድሻይ ዓመት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም - ሽወደን ተኻዩዱ፡፡ መዓልቲ ከቢረ ብምትሕብባር ማሕበር ብሄረ ጀበርቲ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደንን ከምኡ’ውን ማሕበር ከቢረ ንረዲኤትን ልምዓትን ጨንፈር ሽወደን ዝዳሎ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ብዙሓት ኤሪትሪያውያን ዝተሳተፍዎ ኣጋጣሚ፡ ነቲ መዓልቲ ንምምዕራግ ዝተፈላለዩ መደባት ተኻዪዶም፡፡

Add a comment

በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ዜና ነበር ስርዓት ህግደፍ ኣቶ ባራኺ ገ/ስላሴ ካብ ፖላሶ ተወርዊራ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመት ተሊጹ።

በዓልቲ ቤት ናይ’ቲ ጽገናዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ብምጥላቦም ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ተሸሪቦም ካብ ዘለዎ ኣባላት ጉጅለ 15 ሓደ ዝኾነ ኣቶ ባራኺ ገ/ስላሴ ዝኾነት ተጋዳሊት ምሕረት ኢዮብ፡ ብ13 ሚያዝያ 2017 ካብ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተወርዊራ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመት ረድዮ መድረኽ ሓቢራ።

Add a comment

ናይ ሓጎስ መልእኽቲ

ኣበው  ኣቦታትና  ክምስሉ  ንዝገበረልካ  ወይ  ግበረሉ  ወይከኣ  ንገረሉ  ኢዩ`ሞ  ናይ  ስደተኛታት  ኣብያተ  ትምህርቲ  ካቶሊካዊት  ቤተ ክርስትያን  ከሰላ  ዕውት  ድርብ  በዓል  ኣካይደን ዝብል  ጽሑፍን  ስዕልታቱን  ምስ  ረኣኹ  ዝተሰምዓኒ  ሓጎስን  ደስታን  ደረት  ኣይተረኸቦን። እቲ  ምንታይሲ  እዚ  ቤት  ትምህርቲ  እዚ  ሀ  ኢሉ  ክጅምር  እንከሎ  ሽዑ ጊዜ  ብኣካል  ምስ ብጸይተይ/በዓልቲ  ቃል ኪዳነይ  ኣብ  ከሰላ  ስለ ዝነበርኩ።

Add a comment

በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ዜና ነበር ስርዓት ህግደፍ ኣቶ ባራኺ ገ/ስላሴ ካብ ፖላሶ ተወርዊራ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመት ተሊጹ። (3)

በዓልቲ ቤት ናይ’ቲ ጽገናዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ብምጥላቦም ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ተሸሪቦም ካብ ዘለዎ ኣባላት ጉጅለ 15 ሓደ ዝኾነ ኣቶ ባራኺ ገ/ስላሴ ዝኾነት ተጋዳሊት ምሕረት ኢዮብ፡ ብ13 ሚያዝያ 2017 ካብ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተወርዊራ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመት ረድዮ መድረኽ ሓቢራ።

Add a comment

ካብ ዳዕሽ ድሕሪ ምምላጦም ብሚሊሻ ሚስራታ ተታሕዞም ዝጸንሑ 28 ኤርትራውያን ተለቒቖም

Eri ISIS

ካብ ዳዕሽ ድሕሪ ምምላጦም ብሚሊሻ ሚስራታ ናይ ሊብያ፣ ተታሕዞም ንዝጸንሑ 28 ኤርትራውያን ናጻ ከምዝተለቑ ሮይተርስ ካብ ሊብያ ሓቢሩ።

እቶም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 28 ኤርትራውያን፣ ኣብ ከተማ ሲርተ ብዳዒሽ ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ነታ ከተማ ካብቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ንምንጋፋ ብሚሊሻ ሚስራታ ድሕሪ ዝተወስደ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ'ዮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክሃድሙ ክኢሎም።

Add a comment

ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ንዘይበጽሐ ብይን ኮሚሽን ዶብ፣ መፍትሒ ክረኽባሉ ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ

Feder

ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ንዘይበጽሐ ብይን ኮሚሽን ዶብ፣ መፍትሒ ክረኽባሉ ሕብረት ኤውሮጳ ጸዊዑ። ሕብረት ኤውሮጳ ብምኽንያት 15 ዓመት'ቲ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ብይን ዝተዋህበሉ ዶባት ኣብ ባይታ ንኽሕንጸጽ፣ እወታዊ ምትብባዕ ከምዝገብር ሓቢሩ።።

Add a comment

ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና፡ ንሰበስልጣን ህግደፍ ጭንቀት ፈጢርሎም ከም ዘሎ ፈለጥቲ ውሽጢ ሓቢሮም።

ውሕስነት ቀጻልነቶም ኣብ ጽልእን ኲናት ዝገብሩ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ፡ ኤርትራዊ ሰላም ዘሪጎም ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምብልሻው፡ ካብቲ ናብቲ እናተላኽዑ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኦም ሓቢኦም ከሳስዩ ዝነበሮም ሕልሚ ተቓሊዑን ፈሽሉን ትርጉም ዘለዎ ፈታውን መሓዛን ስእኖም፡ ብሓያል ናይ ተነጽሎ ቀዝሒ ኣብ ዝህረምሉ ዘለው ወቕቲ፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ደረጃ ብደረጃ እናደልደለ ዝኸይድ ዘሎ ወግዓዊ ዝምድና ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሮም ኣሎ ይብሉ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ’ሞ ንድሕነት

Add a comment

'ኣይሰላም ኣይኹናት' ኢትዮ-ኤርትራ (2ይ ክፋል)

መዋስንቲ ክልቲኤን ሃገራት

ቀንዲ ፍታሕ 'ነቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ'ዩ' ዝበሉ ኣጋይሽና ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ጸገም ዘይፈትሑ እንተኾኖም ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ፍልይ ዝበለ ፖሊሲ ክትግብር ይግባእ' በሉ።

Add a comment

ንገዛይ ሰለስተ ግዜ ተሳሊመ ተፋኒየያ

ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡ ከመይ ቀኒኹም፡ ምሉእ ቅሳነት ክህልወኩም እምነ። ብርሃነ ወዲ ጋሽ-ባርካ ካብ ገዛኡ ክወጽእ እንከሎ ጀሚሩ ንዘጋጠሞ ብደሆ፡ ኤርትራዊ ሓጎስ ንኽረክብ ኩሉ ግዜ ኣብ ጉዕዞ” ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርገሖ ጽሑፍ መሰረት ገይረ ዘዳለኽዎ ጽሑፍ ቀዳማይ ክፋል ሰዲደልኩም ነይረ። ካልኣይ ክፋሉ ድማ እነሆ። ሰናይ ንባብ።

Add a comment

ፍትሓዊ ኩን፡ ነቲ ትኣምነሉ ድማ ኣብ ከውሊ ኮይንካ ዘይኮነ ዝባንካ ቀሊዕካ ተቓለሰሉ

ዘይቅኑዕ ባህሪ ወኒንካ ክንስኻ ንካልኦት ባህሪኹም ኣርሙ ኣስተኻኽሉ ኢልካ ክትምዕድ፡ ክትከስስ፡ ዘይንቡር ወይ ድማ ከኣልክዎ ኢልካ ትብሎ ተበላጺ ኣረኣእያን’ዩ። ከም’ቲ ዘይብሉ ኣይልግስ ኣየለቅሕ ዝበሃል፡ ህዝባዊ ደርባዊ ባህርን ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ዘይብሉ፡ ውልቀ-ሰብ፡ ጉጅለ ድዩ ውድብ ንምድንጋር እንተዘይኮይኑ፡ ብሓቂ ህዝባዊ ሓልዮት ሓዲርዎ፡ ጠቕሚ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ትካላዊ ኣሰራርሓን ተረዲእዎ፡ ዝሓሸ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ክጠልብ ዝሕሰብ ኣይኮነን

Add a comment