Menu
World News
![]()
ሓጺር መግለጺ
ሰላማዊሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ
ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ጀርመን።
(ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ)
ዕላማ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ነቲ ወትሩ ብህግደፍ ዝካየድ ደሞክራሲያውን ሃገራውን ተስፋ ዝንበ ኮነ ኣስተዋጽኦ ዘይውንን፣ ብዘይካ መአከቢ ገንዘብን ዝጎደላ ሳንዱቅ ህግደፍ መምልኣኢ እንተዘይዀይኑ ካልእ ፋይዳ ዘይብሉ ኣበርክቶ ኣልቦ ዝኾነ ፈስቲቫል ህግደፍ ንምቅዋም እዩ።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ በቲ ኣታዊ ገንዘብ ኣዋህሊሉ ጭፍጨፋ መንእሰያትናን ከካይድን፣ ዘየድልሊ ውግኣት ዶባትና እናጻሕተረ ክነብርን ብረት መግዝእን ንጥፍኣት ሃገርን ህዝብን ንምግልጋል ስለ ዝኾነ፣ በዚ ኣቢሉ ይኹን ብኻልእ ካብ ወጻኢ ዝመላለሱ ኤርትራውያን ብሸርፊ ዝረከቦ እትዋት ነቲ ክሓጽር ዘለዎ ዕድመ ህግደፍ ኣብ ምንዋሕ ግደ ስለ ዘለዎን፣ ብሓፈሽኡ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝጥቀመሎም ናይ እትዋት ምንጭታት ዓቕምና ብዝፈቐዶ ንምዕጋቱን ንምድኻሙን ዝዓለምናዮ ሰላማዊ ሰልፊ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያቱ እዚ ኩሉ ዝግብሮ ናይ እትዋት ሜላታትን ጻዕርን ብዘይካ ንስልጣኑ ምንዋሕን ምድልዳልን ቅንጣብ ትኣክል ኣብ ጠቕሚ ህዝብን ሃገርን ስለ ዘይውዕል ነዚ ተግባራት’ዚ ብዓንተቦ ካብ ምዕጋት ካልእ መተካእታ የልቦን ካብ ዝብል ዕግበት ኢዩ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ክግበር ተመዲቡ።
ነዚ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ቦታ ኣይስ ስፖርት ሃለ (Eissporthalle) ዝተባህለ ነብስና ሰሪዕና፡ ጭሮሖታትናን ሓይልናን እነወሃህደሉ ነቑጣ ሰዓት 14.00 ድ.ቀ ኣብ ኦስት ባንሆር (Ostbahnhom) ኣብቲ ኡባን ቁጽሪ 6 ትውደኣሉ ኩሎም ተሳተፍቲ ክርከቡ ቅድሚ ገለ ሰሙናት መግለጺ ወጺኡ ምጽንሑ ዝዝከር ኢዩ። ኣብዚ ቦታዚ በታ ዝተባህለ ዕለት ማለት 12.07.2008 ካብ ሰዓት 13.30 ጀሚሩ ሰልፈኛ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን ብባቡራት ብኣውተቡሳት በናይ ብሕቲ መካይን ክተኣኻኸብ ጀመረ። ካብ መኣከቢ ክሳብቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ዝግበረሉ ቦታ ንሓደ ኪሎሜተርን ፈረቓን ዝንውሓቱ ርሕቀት ተሰሪዕና ብግምት ክሳብ 20 ደቓይቕ ወሰደልና። እቶም ንሰላማዊ ሰልፊ ዝዕጅቡ ናይ ከተማ ፖሊስ ብቕድሚትን ድሕሪትን እናሰነዩና ጉዕዞና ቀጸለ። ኣብቲ ቦታ እውን ናይ ፖሊስ ኮማንዶ ዘጊድ ተዳልዮም ጸንሑ። እቲ ክንጸንሓሉ እንኽእል ብሕጊ ንሰለስተ ሰዓታት ማለት ካብ ሰዓት 15.00 ክሳብ 18.00 ኢዩ ተፈቒዱ። በቲ ዝተዋህበና መደብ መሰረት ድማ ኣብ ሰዓትና ኢና ዝበጻሕና።
እቲ ተመዲቡልና ዝነበረ ቦታ ወናኒኡ ኣብ ንብረት ክወርድ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይ ካብቲ መእተዊ ማዕጾ ፈስቲቫል ክንርሕቕ ስለ ዝጠለበ ድማ እቶም ሓለውቲ ጸጥታ ነቲ ናቱ ሕቶ ከተግብሩ ነቲ ዝተባህለ ርሕቀት ተቐበልዎ። እቲ ኣዛዚ ናይቶም ኮማንዶን ፖሊስን ድማ ምስ ናይ ህግደፍ ናይ 100 ሜተር ዝኣክል ርሕቀት ክህለውና መደበ። እቲ ኲነትዚ ኸኣ ህግደፍ በቲ ዘካረዮም ኣቢሎም ዘቕረብዎ ጥርዓን ከም ዝኾነ ክበርሃልና ከኣለ። ካብቲ መእተዊ ኣብ መንጎ ሓንቲ ዓብይ ጽርግያ ስለ ዝነበረት ርሕቀትና ብተወሳኺ 150 ሜተር ዝኣክል ኮነ።
እቲ ምስ ወሃብቲ ፍቓድ ዝነበረ ስምምዕ ዝያዳ እዃ እንተነበረ፡ በቲ ጸጥታ መንግስቲ ጀርመን ዝገመትዎ ወጥሪቲ ኩነታት መሰረት ከም ማእከላይ ፍታሕ በቶም ፖሊስን ብሽማግለ ሰልፍን ድማ 15 ዝኾኑ ኣባላት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ኣዳራሽ ቀሪቦም ጽሑፋት ክዕድሉ ብሓለዋ ፖሊስ ተዓጂቦም ቀሪቦም። እቲ ዝዕደልን ዝዝርጋሕን እናተፋጠጡ ፈጺሞሞ ተመሊሶም። እቲ ምዕዳል ወረቓቕቲ እውን ዳርጋ 3 ሰዓታት ተኻየደ። ምስ ገለ ገለ ብህግደፍ ዝተዋፈሩ ዘጋጠመ ዕንቅፋት ስለ ዘጓነፈ ፖሊስ ነቶም ገበነኛታት ባዕሎም ክሲ መስሪቶምሎም ኣለዉ። እዚ እውን ሓደ መንእሰይ ካብ ሰልፈኛታት በቶም ኮነ ኢሎም መስመር ጥሕሶም ዝተዋፈሩ ስለ ዝተሃርመ፡ ሃረምቲ ሽዑ ንሽዑ ተታሒዞም ክሲ ተመስሪቱሎም ኣሎ። ኣብ መንጎ መልዓልቲ ካሜራ እውን ዳርጋ ንእሽቶ ውግእ ተኸፊቱ እዩ ዝወዓለ።
ጠጠው ኢልና ክንጭርሓሉ ዝወዓልና ቦታ ቀሪብና ተፋጢጥና ኩሉ ዝለዓለ ቪደዮታት ዝርካቡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ምውጻእ ከሊኦሞ ዝወዓሉ ህዝቢ ዘየልዓልናዮ ካብ ድልየትና ዘይኮነስ ሕጊ ዓዲ ብምዃኑ ቅር ኢሉና። ካብ ዝነበሩ ዕጥቂ ጭርሖታት ካብ ብዙሕ ውሑድ ኣብነታት እንሆ……..
ፈስቲቫል ህግደፍ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ መሳርሒ ኢዩ። እዚ ፈስቲቫልዚ ንረብሓ ህዝቢ ኣይኮነን።
ሃገር ነባሪ ስርዓት ግን ሓላፊ እዩ።
ውዲት ፈስቲቫል ህግደፍ ክፈሽል ኢዩ።
ብገንዘብካ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ስድራ ኣይትቕዘፍ ወ. ዘ.ተ ዝብሉ ይርከብዎም።
ብተወሳኺ መግለጺ ብደረጃ ኪዳን፤ ብደቂ ኣንስትዮ፤ ብሲቪላውያን ማሕበራት፤ ብመንእሰያት ተነቢቡን ቀሪቡን። ካብቲ ዝነበረ ብዙሕ ግጥምታት (3) ምሩጻት ሰልፈኛታት ዝማረኻ ግጥምታት ቀሪበን።
ንምድምዳም ዝኣክል ሰላማዊ ሰልፊና ብርክት ዝበለ ልዕሊ እቲ ተጸበናዮ ቁጽሪ ተረኺቡ። እንተኾነ ካብ ክልቲኡ ዕድመ ካብ ክልቲኡ ጾታታት ተመምዛዛኒ ዝኾነ ቁጽሪ ዝሓዘ ሰልፊ ነይሩ። ኣብዚ ሰልፊ ዝወዓለ ሓይሊ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ካብ ስቪል ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ብሓንቲ ናይ ሓባር መዝሙርን ብዝክረ-ሰማእታትን ዛዘምናዮ። ብሓፈሽኡ ሽቶና ብምሉእን ኣድማዕነትን ከም ዝወቃዕና ንኣምን። ካብ ከተማታት ፍርንክፈርት፡ ሽቱትጋርት፡ ቱቢንገን፡ ካስልን ከለንን ማንሃይምን ካርልስሩህን ተሳተፍቲ ነይሮም። ኣብ ሓጺር መጻኢ ንጹርን ተወሳኽን ዝርዝርን ክንህብ ኢና።
ኣሳናዳኢት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት 12.07.2008
Nahda Corner
![]()
البيان الختامي لاجتماع المجلس التشريعي
Final Declaration Third regular meeting of the ENP
Legislative Council
ደምዳሚ ኣዋጅ ኣኼባ ሓጋጊ ባይቶ ሰልፊ ናሀዳ ኤርትራ
Community Events
|
Recent posts
who are we? by
Almaz
The Story of Ibrahim's (as) Sacrifice by
Muslimah
Annual Convention by
Mukhtar
Barack Obama Family photo by
Akhriya
Great Eritrean men Saying... by
Mukhtar
Creating a Cultural Oasis In Abu Dhabi by
selam
jet lag by
mohammed
DV lotter 2009 by
sulman
Jeberti Poll
Shaebia's legacies will be remebered more at :
View Archive
CJ Dynamic Poll V2.0
Random Pictures

Copyright
Copyright © 2004-08 Jeberti.com > Design >>Towfik>>















