ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ                  حزب النهضة الإريتري                      

 Eritrean Nahda Party

ክፍሊ ዜናን ባህልን                                                                مكتب الإعلام  

 

ካብ ምዝመዛ ህዝቢ ናብ ናይ ሃገራት ትካቦ

 

ጉጅለ ህግደፍ ብሓደ ሸነኽ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ እሞኸኣ ዘርብሕ እቶት ዘይብሉ ግብሪ ኽፈል እንዳበለት ተባሳብሶ ኣላ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ነቲ ኣብ ግዳም ዝርከብ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሓፈሻ'ውን ኣብ ሙሉእ ኩርናዓት ዓለም ንዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ ወግሔ ጸብሔ በብዓይነቱ ምኽንያታት እንዳቕረበት ካብ ቅድሚ "ምክልኻል ሃገር" ኣትሒዛ ስጋብዚ ዘለናዮ እዋን መኸተ እንዳበለት ህዝቢ ንግላዊ ናብርኡ ከማሓዳድረሉ ኣብዘይክእል መድረኽ በጺሑ ምህላዉ እንዳፈለጠት ከምቁርዲድ ኣብ ቆርበቱ ለጊባ ደሙ እንዳመጸወት ትነብር ከምዘላ ክልተሰብ ብስነሓሳብ ዘይፈላለይሉ ከምጸሓይ ቡሩህ'ዩ።

 

እቲ ኩሉ ጊዜ ብህግደፍ ዝደጋገም “ነብስኻ ብነብስኻ ምኽኣል ዝብል ጭርሖ”፡ ካብ መንግስታት ዓለም ይዕበያ ይንኣሳ ሓገዝ ኣይንልምንን ኢና፡ እንጀራ ትካቦ ኣየድልየናን'ዩ"፡ እንዳበለት ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ገና ትዋሳኣሉ ከምዘላ ስዉር ኣይኮነን፡ ነዊሕ ከይተመልስና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ድምጺ ህዝቢ ጓዕጺጻ መኸተ ዝብል ናይ ንቑሓት ተበለጽቲ ወፍሪ ብሓይላ ከምዘጽደቐቶ ዘይርሳዕ እኳ እንተኾነ ኣብቲ ነብስኻ ብነብስኻ ምኽኣል ዝብል ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ጭርሖኣ ዝተመርኮሰ ጻዊዒት'ዩ ነይሩ።

 

በል ተዓዘብ ህዝቢ

 

ኣብ ርያድ ሰዕዲ ዓረብ ብቛንቛ ዓረብኛ ትሕተም ጋዜጣ (ኣልጀዚራ) ብዕለት 02/04/2008 መበል 1270 ሕታማ ዝዘርገሐቶ ጽሑፍ ነቕርበልኩም።  

 

ካብ ንጉሳውያን ቤተሰብ ልዑል ፈይሰል ቢን ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣልስዑድ ኣቦ-መንበር ማሕበር ቀይሕ ወርሒ (ሂላል ኣሕመር) ትማሊ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንኣምባሳደር ኤርትራ ተቐቢሉ ድሕሪ ምዝርራቡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ወድዓዊ ኩነታትን ናይ ነዊሕ እዋን ዝናብ ብዘይምዝናቡ ንደቅሰባት ብዝያዳ ግላዊ ጸገም ከምዘምጽእ እዩ ክብል ኣምባሳደር ብሽም ህዝቢ ለመንኡ ድሕሪ ምቕራብ ንልዑል ፈይሰል ንኤርትራ ንክዘውር ከምዝዓደሞ ተፈሊጡ።

 

ብወገኑ ልዑል ፈይሰል ቢን ዓብደላ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብህጹጽ ዘድልዮ ነገራት ብዕላዊ ኣገባብ ተሊምካ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ንኽትሕግዝ ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።

 

መንግስቲ ሰዕዲ ዓረብ ንኤርትራውያን ዘወፈየቶን እተወፍዮ ዘላን ማእለያ ዘይብሉ ሓገዛት ብልቢ ዝምስገን እዩ፡ እንተኾነ ግን ስርዓት ህግደፍ ብሽም ህዝቢ ለሚና ከተብቅዕ ከምኣመላ ከምቲ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተረኽበ ሓገዛት ተቐቢላ ንዕዳጋ ከምእተውርዶ ዘይሳሓት ሓቂ እዩ።

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን