Menu
World News
![]()
ክፍሊ ዜናን ባህልን
مكتب الإعلام"ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ
ምስ ኣባላት ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ"
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ ኣቶ ኑር እድሪስ ብስምበት ዕለት 15/06/2008 ምስ ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ወድዓዊ ኩነታት ጉዳይ ኤርትራን ናይቲ ብዓወት ዝተዛዘመ ጉባኤ ሓድነት ኪዳን ኤርትራን ኣብ ቀዳማይ ዙርያ መሪሕነቱ ዘውጸኦ ውሳኔታት ነይሩ።
ኣብ መፈለምታ መግለጺኡ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ዝተረኽበ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ምስሕሓብ ሰልፊ ናህዳ ብዝወሰደቶ መርገጽ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መሰረታት ሰልፊ ናህዳን ደገፋቶምን ተሓባባርነቶምን ከምዘተግበሩ ኣረጋጊጹ።
ብወገን ኩለን ተቓወምቲ ሓይልታት ዝተራእየ ሓቀኛ ተበግሶን ጹቡቕ ተቐራብነትን ተሳታፍነትን ከምኡ'ውን ብስርዒት ሲቪላውያን ማሕበራትን ተቆጻጸርትን ኣብ መዳይ ጥርናፌ ዝተጻወተኦ ዓቢ ግደ ንህሉዉን ንሓዋሩን ዱልዱል መሰረት ብምምስራት ንጉባኤ ሓድነት ኪዳን ብምትግባር ከዓውተኦ ኪኢለን ክብል ገሊጹ።
ዘለናዮ ጊዜ ሓቀኛ ናይ ስራሕ እዋን ኮይኑ ኣብ ሃገርና ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምትግባር ናይ ኪዳንን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ዕላማ ካብ ኮነ ኩነታት ናይዚ ኣርእስቲ'ዚ ካብቲ ዝሓለፈ እዋናት ብዝበለጸ በሲሉ ይርከብ ክብል ኣቦመንበር ሰልፊ ናህዳ ሓቢሩ።
ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ኩሎም መራሕቲ ኪዳን መደባትን ህንጻጻትን ንምፍጻምን ንምትግባርን ናይ በብደረጀኦም ንዘለዉ መራሕትን ፖለቲካዊ ስርዒታትን ከምኡ'ውን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ህዝባውያን ማሕበራትን ስርዒታትን ሓላፍነት'ዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ መሰረታት ሓይሎም ብምጥርናፍ ንናይ ሃገራዊ ስራሓት መንኮርኩር ንምድንፋዕ ብጨናፍር ኪዳን ኮይኖም ንኽዋስኡ ጻዊዒት ኣቕሪቡ።
ኣስዒቡ ኣቶ ኑር ኢድሪስ ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ንዝሓለፈ መደባትን ውሳኔታትን ስርዒታዊ ስራሕቲ ሰልፊን ብኹሉ ደረጃታቱ ንምፍጻምን ንምምዕባልን ኣገዳሲ ኮይኑስ ቡርቱዕ ምቕራብ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።
ብወገኖም'ውን መሰረታት ሰልፊ ናህዳ ነቲ መሪሕነት ሰልፊ ዓቢ ሃገራዊ ግደ ዝጻወት ዘሎ ብሓፈሽኡ ድሕሪ ምድጋፎም ንተግዑዛውን ቀጻልን ናይ ኪዳን ዕላማ ንኸተግብሩ ቁሩባት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ ሰልፋዊ ስርዒታትን መደባትን ውሳኔታትን ንምድንፋዕ ከምኡ'ውን ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ውድባዊ ጉባኤ ኣብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ንኽካይድዎ ተመጻቢዖም።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንናይ ናጽነትን ሓርነትን ስዉኣትና
ዓወት ንዲሞክራሲያዊ ኪዳን
ሰላምን ብልጽግናን ንህዝቢ ኤርትራ
Nahda Corner
![]()
البيان الختامي لاجتماع المجلس التشريعي
Final Declaration Third regular meeting of the ENP
Legislative Council
ደምዳሚ ኣዋጅ ኣኼባ ሓጋጊ ባይቶ ሰልፊ ናሀዳ ኤርትራ
Community Events
|
Recent posts
The Story of Ibrahim's (as) Sacrifice by
Adham
who are we? by
Akhriya
Annual Convention by
Mukhtar
Barack Obama Family photo by
Akhriya
Great Eritrean men Saying... by
Mukhtar
Creating a Cultural Oasis In Abu Dhabi by
selam
jet lag by
mohammed
DV lotter 2009 by
sulman
Jeberti Poll
Shaebia's legacies will be remebered more at :
View Archive
CJ Dynamic Poll V2.0
Random Pictures

Copyright
Copyright © 2004-08 Jeberti.com > Design >>Towfik>>














