Fri July 18 2008

main page

 

ሞት መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ ባህሪያዊ ሓደጋ መኪና ዘኸተሎ ድዩ?


 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ዕለት 1 ሓምለ 2008 ዓም፡ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ክሳብ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ናይ ምሸት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ መገዲ ኣስመራ-ባጽዕ፡ ከባቢ 19 ኪሜ (ኣብ መንጎ ነፋሲትን ሰይዲቺን)፡ ወናኒ ትካል ፋብሪካ ሳምና ኣስመራ ዝኾነ፡ ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ (ኦሞ)፡ ብሓደጋ መኪና መይቱ ዝብል ሓበሬታ (ወረ) ኣብ ኣስመራ ክነፍስ ጸኒሑ። ክነፍስ ዝቐነየ ወረ፡ ነቲ ኣጋጣሚን ንኩነታት ኣፈጻጽምኡን ዝምልከት፡ ንጹርን ውዱእን ሓቂ ኣይተረኽቦን ጥራይ ዘይኮነ፡ ገና፡ መልሲ ዘድሊዮም ሕቶታት የስዕብ ኣሎ። ብመጀመርታ፡ ንኣገባብ ኣፈጻጽምኡ ዝምልከት እዞም ዝስዕቡ ሓቂታት ኪቕልቀሉ ጀሚሮም ኣለዉ፡-


 

  1. ሰሉስ ምሸት ሰዓት 7፡45 (ሰዓት ሸውዓተን ኣርብዓን ሓሙሽተን)፡ ሰለስተ ጸሊም እኩያለ (ናይ ጸሓይ መነጽር) ዝገበሩ ሰባት፡ ቁጽሪ ሰሌዳኣ ዝተዓጸፈ ጻዕዳ ኮሮላ መኪና ሒዞም፡ ኣብ ፊት ሞኖፖሊዮ (ኣስመራ) ኣብ ዝርከብ ገዝኡ፡ ናብ መሓመድ ሓጎስ መጺኦም። ነዚ ኩሉ ዝረኣዩ ሰባት ብሂወት ምህላዎምን ሓደ ካብኦም ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፖሊስ (under police custody) ምህላዉን ዝነፍስ ወረ ኣሎ።

  2. ንጽባሒቱ ንግሆ (ዕለት 2.7.08) ኣብ ጽርግያ ኣስመራ-ባጽዕ ናይ ጽርየት ሰራሕተኛታት ዝኾና ደቀ’ንስትዮ፡ ናይ መኪና ምጽዳፍ ምልክትን: ቁሩብ ሜትሮታት ካብ ጽርግያ ፍንትት ኢሉ ድማ: ናይ ሰብ ሬሳን፡ ይርእያን ንሰብ ይሕብራን።

  3. እቲ ሬሳ፡ ኣብ ግንባሩ ቁሩብ ማህረምቲ. ኣብ ኣፍ ልቡ ድማ ጎርጺ ዝመስል ከም ዝነበረ ሓበሬታ ይርከቦ። ሬሳ ካብ ጽርግያ ናይ 4-5 ሜትሮታት ርሕቀት ወዲቑ፡ መኪና ግን ልዕሊ 30 ሜትሮ ካብ ጽርግያ ኣንኮራርያ (ጸዲፋ)፡ ተረኺቦም።

  4. ድሕሪ’ዚ ኩሉ ምፍላጡን፡ ነቲ ጉዳይ ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ዘለዎን መጠን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዋላ ከም ዜና’ውን፡ ነቲ ፍጻመ ንህዝቢ ኣይገለጾን። እንታይ ስጉምቲ ወሲዱ ወይ ክወስድ ኢዩ’ውን ዝፍለጥ የለን። ኩሉ ከም ዝፈልጦ፡ መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ፡ ናይ ኤርትራ ኣስራሕቲ ፈደሬሽን ምክትል ኣቦ-መንበር ኢዩ።

  5. ካብ ጽፍሒ ሓላፍነቱ ብሓደ ወገን፡ ካብ ብቕዓቱን ክእለቱን ድማ ብካልእ፡ ብምብጋስ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እናቐረበን፡ ኣብ ብመንግስቲን ህግደፍን ዝውደብ ሰሚናራትን ኣኼባታትን እናተዓደመን፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ቀጻሊ መግለጺታት ዝገብር ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ካብዚ ንላዕሊ’ውን፡ ኣብ ብዙሕ ብኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ ኣብ ዝውደብ ኣኼባታት ንሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኤርትራ፡ ወይዘሮ ኣስካሉ መንቀሪዮስ፡ ብምስናይ ይሳተፍ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ስዊትዘርላንድ ተጋቢኡ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ፡ ንወይዘሮ ኣስካሉ ኣሰንዩ ተሳቲፉ ምንባሩ ኣብዚ መዳይ ንዝነበሮ ንጡፍ ተራ ዝያዳ ዘጉልሕን ዘረጋግጽን ኢዩ።

  6. ኣብ መንጎ ዕለተ-ሞቱን ስነ-ስርዓት ቀብሩን ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ናይ ሓዘን መዓልታት፡ ዳርጋ ኩሎም ሓለፍቲ መንግስትን ህግደፍን (ወተሃደራዊ ጀኔራላት ከይተረፉ)፡ ናይ ሓዘን ተኻፋልነቶምን ኣብ ነፍሲ ሄር ዝነበሮም “ኣኽብሮትን ፍቕርን” ንምግላጽን፡ ነፍሲ ወከፎም ሓደ ግዜ፡ ዝበዝሑ ድማ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ፡ ናብ ገዛ መሓመድ ሓጎስ ተመላሊሶም ንስድራ ቤቱ “ኣጸናኒዖም”።

  7. ብዛዕባ ጠንቂ ይኹን ኣገባብ ኣማውትኡ፡ ንስድራ ቤቱ ይኹን ንህዝቢ፡ ዝዀነ ሓበሬታ ከይተዋህበ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነፍሲሄር መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ፡ ብሰንበት 6 ሓምለ 2008 ዓም ተፈጺሙ።


 

ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ካብ ዘሎ ሓፈሻዊ ሓበሬታ፡ ሞት መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ፡ ኣብ ብዙሓት ሰባት፡ መልሲ ዘይተረኽበሎም ሕቶታት ኣቐልቂሉ ኣሎ።


 

  1. መታን ከይልለዩ፡ ሰሌዳ ቁጽሪ ዓጺፎምን ብግዜ ጸልማት ናይ ጸሓይ መነጽር ጌሮምን ኣብ ኣፍ ደገ መሓመድ ሓጎስ ዝተራእዩ ሰለስተ ሰባት እንታዎት ኢዮም? መን ልኢኹዎም? ድሕሪኡኸ ናበይ ተሰዊሮም?

  2. ኣብ ቁጽሪ ሓደ ተገሊጹ ንዘሎ ሓበሬታ ዝረኣዩ ከም ዘለዉ እናተፈልጠ፡ አረ ሓደ ካብኦምስ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ መንግስቲ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ክነሱ፡ ነቲ መስርሕ ብሓፈሻ ይኹን፡ ዝርዝር ካብቲ ኣብ ትሕቲ ሓለዋኡ ዘሎ ሰብ ንዝረኸቦ ሓቂታት፡ ስለምንታይ ብወገን መንግስቲ ንህዝቢ ዘይሕበር?

  3. ኣብ ቁጠባዊ ሂወት ናይቲ ሃገር ዓቢ ተዋስኣይ ዝነበረን፡ ምክትል ኣቦ መንበር ፈደሬሽን ኣስራሕቲ ኤርትራውያን ዝዀነን፡ ንሚኒስተራት ናይዚ ስርዓት ኣሰንዩ ኣብ ብዙሕ ኣህጉራዊ መጋብኣያታት ንዝሳተፍ ሰብ፡ ብኸምዚ ጽልግልግ ዝበለ ኣገባብ ክጠፍእ ከሎ፡ ናይ መንግስቲ ዋንነት ዝኾኑ መሳርሒታት ዜና ኤርትራ፡ ዋላ ከም ዜና’ውን፡ ነዚ ፍጻሜ’ዚ ኣይዘከሩዎን። ስለምንታይ? ካብቶም ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝሞቱን ብመራኸቢ ብዙሓን ሞቶም ዝቃላሕን ኤርትራውያን ዝተሓተ ኣበርክቶ ድዩ ዘለዎ?

  4. ሬስኡ ኣብ ገምገም ጸድፊ ወዲቑ ስለ ዝጸንሐን፡ ቶዮታ ላንድክሩዘር ዝዓይነታ መኪንኡ ብጸድፊ ኣንኮራርያ ስለ ተረኽበትን፡ መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ ብሓደጋ መኪና መይቱ ክብሃል ይከኣልዶ? `


 

ዝኸበርኩም መርበብ ሓበሬታ ሰልፊ-ዲሞክራሲ.ኮም (selfi-democracy.com): ኣብ መወዳእታ ከነረጋግጾ ንደሊ፡ ነፍሲሄር ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ፡ ብዝነበሮ ሃብቲ ይኹን ፍልጠት ከይተመክሐ፡ ምስ ኩሉ ብመንግስቲ ኤርትራን ህግደፍን ዝግበረሉ ዝነበረ ማሕለኻታት ከይሰልከየን ተስፋ ከይቆረጸን፡ ንቁጠባዊ ምዕባለ ሃገሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ሃገራዊ ምንባሩ ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡ ንጽጉማትን ዘኽታማትን ብዝገብሮ ዝነበረ ሓገዝ፡ ብዙሕ ተፈላጥነትን ተፈታውነትን ዘትረፈ፡ ለጋስን ርህሩህን ሰብ ምንባሩ ኢዩ።


 


 

ኤርትራ፡ ደም ዜጋታታ ብከንቱ ካብ ምፍሳስ ዘብቅዓሉ፡ ልዑልነት ሕጊ ዝረጋገጸሉ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሰፊኑ ኣብ መንጎ ህዝባ ስኒትን ምትሕቑቓፍን ዝሕይለሉ፡ ገበርቲ እከይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ናይ ተግባራቶም ተሓተቲ ዝኾኑሉ ግዜ ርሑቕ ከም ዘይከውን እምነትና ንገልጽ።”


 

ብወገን መርበብ ሓበሬታ ሰልፊ ዲሞክራሲ.ኮም፡ መጽሐት “ሕድሪ” ካብቲ ኣብ ናይ ግንቦት 2005 ዓም ሕታማ ዘስፈረቶ፡ ኣቶ መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ ኣብ ቁጠባ ኤርትራን ምሕደርኡን ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ንዝኽሪ መሓመድ ሓጎስን ምዝኽኻር ኣንበቲን፡ ገለ ጥቕሲታት ቀጺላ ተቕርብ።


 


 

መሓመድ ሓጎስ፡-


 

1. ኣብ ህሉው ኩነታት ቁጠባ ሃገርን ብድሆታቱን፡


 

ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓቢ ብድሆ ንምግጣም መንግስትን ብሕታዊ ክፋልን ተደጋጊፎም ዘይሰርሑሉ ምኽንያት የለን። ሃገርና እናተኸላኸልና ቁጠባ ሃገርና ንምዕባይ ክንሰርሕ ግቡእናን ሓላፍነትናን ኢዩ። መንግስቲ፡ ንነዊሕን ሓጺርን ዝጠመተ መደባትን ሕጋጋትን እናውጽአ፡ እቲ ብሕታዊ ክፋል ከኣ ብሕጊ እናተመርሐ ክንሰርሕ እንተ ክኢልና፡ ንሃገርና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክንገብር ንኽእል ይመስለኒ። ንኣብነት፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ጸገም ከም ዘሎና ኩልና ንፈልጦ ኢና። ነዚ ጸገም’ዚ ኣብ ክንዲ ነቲ ድርካቡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብምእካብን ብምቝጣብን ጥራይ ክንፈትሖ ንሓስብ፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምዕባይ እንታይ ክንገብር ንኽእል ኢልና ብሰፊሑ ክንዝቲ ዝግብኣና ይመስለኒ። መብዛሕትኡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ መደባት ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ግን ኣብ ሓጺር ግዜ ገለ ለውጥ ከምጽእ ዝኽእል ነገራት’ውን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ቱሪዝም ሓደ ካብቲ ክሕሰበሉ ዝኽእል ዓውዲታት ኢዩ።


 

ስለዚ፡ ሓድሽ ነገር ክንፈጥር፡ ክንምህዝ ክንክእል ኣሎና። ናይ ዋኒን ባህሊ (enterprise culture) ምዕባይ ክንደፍኣሉ ኣሎና። ኣብ ገለ ጸገማትና ትእምርታዊ (symbolic) ኮይኑ ኢዩ ዝርኣየኒ። ብወጻኢ፡ ገለ ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻኣተኛታት፡ እዛ ሃገር እዚኣ ንቁጠባኣ ኣይተተባብዕን ኢያ ኢሎም ዝርሕቁ ኣለዉ። እቲ ሓቂ ከምኡ’ኳ እንተ ዘይኰነ እዚ ዕንቅፋታት ይኸውን ኢዩ። ስለዚ፡ ትእምርታዊ ለውጢ ክንገብር፡ ናይ ዋኒንን ንግድን ክፉትን (openness) ከነርኢ ኣሎና ብሃላይ ኢየ።


 

ቁጠባ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ናብ ሰፊሕ ዕዳጋ ንክንኣቱ ብዘሎና ከም ናይ ኮሜሳ ዝኣመሰለ ዕድላት ክንጥቀም ክንክእል ኣሎና። እዚ ከኣ፡ መንግስቲ በይኑ ኪገብሮ ኣይክእልን ኢዩ። ምስ ብሕታዊ ክፋል ብምትሕብባር ኪግበር ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ ኢለ ኢየ ዝኣምን። እዚ ዝተራእየ ጸገማት ምስ ሓደ ሃገር ዝተኣኣሳሰረ ቁጠባን ንግድን ስለ ዝነበረና ዝመጸ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ሰፊሕ ዕዳጋ ከነቃልብ ክንክእል ኣሎና። ነዚ ዓቢ ብድሆ’ዚ ድማ ብስራሕ ክንምልሶ ኣሎና።


 


 

2. ብዛዕባ ተመክሮ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን መደባት ቁጠባዊ ልምዓትን ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎን።


 

እቲ ኩሉ ዝተገብረ ኣብ ቦቱኡ ኮይኑ፡ ሓደ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ክርአ ዘለዎ ነጥቢ ከቕርብ። ክሳብ 1998 ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ወፍሪን ዋኒንን ኪገብሩ ካብ ወጻኢ ናብ ዓዲ ይውሕዙ ነይሮም። ድሕሪ ኩናት እዚ ዋሕዚ’ዚ ተዳኺሙ ወይ ተቛሪጹ ይርአ ኣሎ። እዚ ግቡእ ኣቓልቦ ኪወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ ብሃላይ ኢየ። ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ንምስሓብ እንታይ ክንገብር ኣሎና ተባሂሉ መጽናዕቲ ኪግበር፡ ኣድላይ ስጉምቲ ኪውሰድ ኣገዳሲ ይመስለኒ። እቲ ዕንቅፋት ኩናት ጥራይ ኣይኮነን። ምስሊ’ውን ጸገም (image) ይኸውን ኢዩ። ብፍላይ ኤርትራዊ፡ ሃገሩ ስለ ዝፈቱ ንምስሓቡ ዝከኣል ክንገብር ኣሎና። ብሓፈሻ፡ ነቲ ከውፍር ዝኽእል ክፉት ዕድል ከም ዘሎ ንምርኣይ ዝሕግዝ ኣወንታዊ ምልክት (signal) ዝሰድድ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ግብራዊ ስጉምቲታት ክውሰድ ይግባእ።


 

3. ሕሰም መነባብሮ፡ ናህሪ ዋጋታት፡ ስእነት ኣቕሑ፡ ተራ ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ፡ ሸርፊ ወጻኢ፡ … ወዘተ።


 

ብርእይቶይ፡ ቀይሕ ባሕሪ ብዙሕ ኣበርክቶ ዘለዎ ትካል’ዩ። ተራኡ ኣብ መሳርሕተይ ብግብሪ እርእዮ ኢየ። ኣተኩሮና ከመይ ጌርና ሸርፊ ወጻኢ ነዕቢ ኪኸውን ኣለዎ። ዋሕዲ እንተልዩ፡ ምምቕራሕ (rationing) ክህሉ ግድን ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ ዋሕዲ’ዚ ከመይ ጌርና ነብዝሖ ኢልና ክንሓስብን ክንሰርሕን ኣሎና። ክሳብ ሕጂ ከኣ እኹል ኣተኩሮ ንገብረሉ ዘሎና ኣይመስለንን። ዋላ ይውሓድ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ለውጢ ከምጽኣልና ዝኽእል ነገራት ኣሎ። “ኣብ ኩናት ዘይወዓለ በሊሕ” ከይከውን’ምበር፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣሎና። ንኣብነት፡ ዕምባባ፡ ዋላ’ኳ ብቐረባ ዘይፈልጦ እንተ ኮንኩ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ይመስለኒ። ኣብ ሃብቲ ዓሳ’ውን እቲ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ኣቐዲመ ዘልዓልኩዎ ጉዳይ ቱሪዝም’ውን ኣሎ። ብሓፈሻ፡ ዋላ ኣብ መጀመርታ ውሑድ ኣታዊ ይረኸቦ፡ ክንጅምሮ ኣሎና። እቲ መስመር እንተ ኣቲናዮ፡ ብናቱ ዳይናሚክስ ሳዕቤናትን ውጽኢትን ክህልዎ ኢዩ። በንጻሩ እንተ ተሓጺርና ግን እቲ ጸገም ኩሉ ግዜ ኣብ ኣፍ ደገና ክህሉ ኢዩ።


 

4.ቁጠባዊ ንጥፈታትን ተራ ትካላት ህዝባዊ ግንባርን።


 

ኣብዚ ክብሃል ዝጸንሐ እሰማማዕ ኢየ። ግን፡ ብዛዕባ ምስ ግንባር ዘለዉ ንኣሽቱ ትካላት ስክፍታ ኣሎኒ። ንኣብነት፡ ከም ሰርፊ ወጻኢ ዝሸይጥ ድኳን ዝኣመሰላ ውልቃዊ ኣቓልቦ ዝሓታ ትካላት ብዝያዳ ኣድማዕነት ዝኸዳ ብግሊ ምስ ዝተሓዛ ይመስለኒ። ንከምዚአን ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ትካላት እቲ ግንባር ክሓስበለን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ብፍሉይ ቆላሕታን ተገዳስነትን ጥራይ ኢየን ብጽቡቕ ክሰርሓ ዝኽእላ።


 

5. ቁጠባዊ ተስፋ ኣሎናዶ? ኤርትራ ድኽነት ከተወግድን ብቁጠባ ክትምዕብልን ትኽእል ድያ?


 

ተስፋ እንተ ዘይብልና’ሞ ሜትና ማለት’ዩ። ስለዚ ምሉእ ተስፋ ኣሎና። እዚ ሎሚ ዘካየድናዮ ዘተ ከኣ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ኢዩ።


 

ሓደ ክንርስዖ ዘይብልና ጉዳይ ትምህርቲ ግን ኣሎ። እዘን ማዕቢለን እንርእየን ዘሎና ሃገራት ኣብ ትምህርቲ ስለ ዝሰጎማ ኢየን ማዕቢለን። ስለዚ፡ ክንስጉም እንተ ኮና ደረጃ ትምህርትና ክብ ከነብሎ ክንክእል ኣሎና። ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ቆልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ክመላለሱ ንርኢ ኣሎና። ግን ደረጃ ትምህርትና፡ ብቕዓት ተመሃሮና ምስ ካልኦት ሃገራት ይወዳደር ድዩ? መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብብቕዓት ትምህርትና ኢዩ ዝውሰን። ስለዚ፡ እንተ ድኣ ኣብ ትምህርቲ ኣውፊርና፡ ብቑዓት ተመሃሮ ሃኒጽና፡ ተስፋና ምሉእ ኪኸውን ኢዩ።

Source:::::selfi-democracy.com