ዒድ ሙባርክ

 

ዲጂታላዊ ሞዕቃብ ይሕያ ወደቦይ ኪያረ

ፕሮጀክት ምዕቃብን ምትሕዳስን ስነ ጥበባዊ ዕዩታት ይሕያ ወደቦይ ኪያረ ዝብል ዕማም ሓንጺጸ ንስራሕ ምስተበገስኩ ሽቶታት ናይቲ ፕሮጀክት እንታይ ክኾኑ አለዎም?

ኣብ ባልጃ ተሓቢኡ ናብ ስዊዘርላንድ ክኣቱ ዝፈተነ 'ኤርትራዊ' ተታሒዙ

Balja

ብ ባልጃ ተሓቢኡ ናብ ስዊዘርላንድ ክኣቱ ዝፈተነ 'ኤርትራዊ' ምዃኑ ዝገለጾ ስደተኛ ከምዝተታሕዘ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ። ፖሊስ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ'ዩ ዝበሎ መንእሰይ፣ ነብሱ ዓማጺጹ ኣብ ባልጃ ድሕሪ ምእታው፣ ብሓደ ካልእ ኤርትራዊ ተሓጊዙ'ዩ ካብ ከተማ ሚላኖ ናብ ስውዘርላንድ እተምርሕ ናብ ዝነበረት ባቡር ተሰቒሉ።

ድሕሪ ናይ 45 ደቓይቕ ጉዕዞ፣ ተሳፈርቲ እታ ባቡር፣ ኣብ ውሽጢ ዝተዓጽወ ባልጃ ድምጺ ሰብ ብምስምዖም ንኣባላት ሓለዋ ባቡር 'ዮም ሓቢሮም።

ንመዓስከ እቲ ቀብሪ? ግብራዊ መልሲ እትጽበ ሕቶ

እዛ ሕቶ ብግብሪ እትመልስ . . . ባህግና ራህዋ ቅሳነት ግዝየኡ ምእንቲ ክምለስ፡ ኢለ ከቐድም መፍቀድየይ ውዕሎ ጀነብ 23.6.2016 ዝሃበኒ ተስፋ ዕዙዝ ኮይኑ፡ ሓጎሰይ ክገልጽ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣነ እውን ከም ኩሉ ተሰካም ሕድሪ፡ ስዉኣትን ስንኩላቲ ክርቱታትን ሃገር፡ ካብ‘ቲ ዝወዓልናዮ ኣድማዊ ሰልፊ ንሕልናይ ወቒሱ ዘበራብር ምህሮ ከም እተመሃርኩ ክሕብርን ክነግርን፡ ንዘይተበራበረ ዘሎ ሕልምታት ከበራብርን ኢለ ምዃነይ ኣድሚዔ ገሊጸ ኣገናዕ ወራሲ ወለዶ . . .

ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ፡

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ(ግሃድኤ-ሕድሪ) 4ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 01 ክሳብ 05 ሓምለ 2016 ኣካይዱ፡፡ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብዚ  ንሓሙሽተ መዓልታት ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፡ዝሰርዖም ኣርእስተ ኣጀንዳታት፡ ዓለማዊ፡ ኣህጉራዊ፡ ዞባውን ከባብያውን፡ ሃገራውን ኩነታት፡ ናይ ነብሲ-ወከፍ ፈጻሚ ኣካል ቤት ጽሕፈታቱ ዝቐረበ ናይ 6ተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ሰሚዑ፡ ብዕምቆት ዘትዩን ገምጊሙን ሚዛኑ ኣቐሚጡ፡፡

ጅቡቲን ሱማሊያን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተሓታትነት ንክህሉ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪበን

ጅቡቲን ሱማሊያን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተሓታትነት ንክህሉ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ናይ ውሳነ ሓሳብ ወይ ረቂቕ ኣቕሪበን።

 

ስለያዊ መሓውራትን ሲቪል ሰለይትን ይቀልዑ።

ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ስለያዊ መሓውራትን ቀንዲ መሳርሒ ዝኾኑ ናይ አሽሓት ስቪል ስለያ ኣስማትን ከምነቃልዖም ሓቢርና ኔርና።  ስለዚ ቃልና ኣኽቢርና: ኣብ 1ይ- ቀዳማይ ክፋል ጹሑፍና ድማ ብዞባ ማእከል ጀሚርና ናይ ሰማንያን ሽዱሽተን (86) ኣስማት ሲቪል ስለይቲ ምስ ሙሉእ ዝርዝራቱ ነቕርብ ኣሎና፡፡ እቲ ምቅላዕ ንሽዱሽተ (6) ዞባታት ኤርትራ የጠቓልል።

ደገፍቲ ህግደፍ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ጄኔቫ ንዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ...............

Ahmed Omar

ደገፍቲ ህግደፍ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ጄኔቫ ንዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ብቀጥታ ንምትሕልላፍ ካብ ዝተላእከኡ ሰለስተ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ሓደ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፉ

ናፓልዮን መበቖሉ ኤርትራ'ዩ?

Nap"ኣንታ ሰሚዕካ ዶ? ናፖልዮን መበቆሉ ኤርትራዊ ምዃኑ'ኮ ተረጋጊጹ።" "እንታይ ትብል? መን'ዩ ኸ ኣረጋጊጹ?”  "ኣብዚ ኣብ ፓሪስ፣ ኣብ ሰርቦን ዩኒቨርሲቲ ዓሙቕ መጽናዕቲ ተኻይዱ፣ በቃ! ናፖልዮን ኤርትራዊ'ዩ መበቖሉ ደምዲሞም።"  "መቸም ፣ ከደራይ ሕብሪ ቆርበት ስለዝነበሮ ኣይኮነን፣ ኤርትራዊ'ዩ ዝብልዎ ዘለዉ፣"

ኤርትራ ደሴት ሰላም’ዶ ደሴት ጭቆና? መን እዩ ‘ኸ እቲ ዝቐንእ?

ኤርትራ  ዓዲ  ግዱድ  ዕስክርና፡  ዓዲ ወተሃደራዊ  ስልጠና፡  ሃገረ  ዕደላ  ኣጽዋርን  ከርተትን’ያ።  ስለዚ  ከኣ ኤርትራ ሃገረ    ዕስክርና’ያ።  ሽሕ’ኳ  ሕመረት  ናይ  ግፋ፡  ኣከታትባን  ታዕሊም  ምውራድን  ስርዓት  ህግደፍ  ኣብ  ክሊ ዕድመ  ንእስነት  ኣብ  ዝርከቡ  ዜጋታት  ዘጽዕቕ    እንተኾነ፡  ነቲ  ሓቂ  ቀሪብካ  ናተይ  ኢልካ  ምስ  እተስተውዕለሉ ግን  ካልእ  ተወሳኺ  ሓቂ  ኢኻ  እትረክብ።

ብዛዕባ እቲ ብሰነ 12/2016 ኣብ መስሓል ኣኽራን ዝተኻየደ ስርዓት ህግደፍ ዝወልዖ ኩናት ዝመጸና ተወሳኺ ዜና

ከም ዝዝከር ሰነ 12/2016 ኣብ መስሓል ኣኽራን እቲ ወልፊ ምፍሳስ ደም ልምድን ባህግን ዘለዎ ስርዓት ህግደፍ ብዝወልዖ ኩናት ብዙሕ ምምዝባል ኣብ ህዝቢ እቲ ከባብን ከምዘኸተለ፡ ፍሉጥ ኮይኑ፡ እቲ ብኩናት ዝዋዘ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ መራሒ ምልካዊ ስርዕት ህግደፍ ዝኾነ እሰያስ ናፈወርቂ ነቲ ዝነበረ ውግእን ነቲ ዝተኸፍለ ሂወትን ብዘነኣእስ ድምጺ 18 ኣሰር መምህራኖም ሲዒቦም፡ ወለድን ቤተሰብን እዞም ዝሰዓቡ ክኣ ክትሕበኑ ኣለኩም፡ ክብል ኣብ እቲ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ማለት 20 ሰነ ከም ዘባጨወ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ሓቂ ግን ሎሚ ሓምለ 04 ካብ ኣስመራ በጺሑና ዘሎ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ጥራሕ 45 ሳንዱቕ ሬሳ ከም ዝወረደ ካብ መካይንን ከክንደይ ሬሳ ሒዙ ኔሩ እቲ ሳንዱቕ ከም ዘይተፈልጠን፡ ብሓፈሻ እንተዘይኮይኑ ታሪኽ ሂወት ከምዘይተገልጸን፡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ሓቅን ምረትን ኣብ ልዕሊ ጥልመትን ዳንኬራን፣

ኣብ  መንጎ  ስርዓት  ህግደፍን  ውጹዓት  ህዝብታት  ኤርትራን  ዘሎ  ግርጭት  መሰረታዊ’ዩ።  ኣይፋል  መሰረታዊ ኣይኮነን።  ካብ  ነዊሕ  ከዛርብ  ዝጸንሐ  ዛዕባ’ዩ።  ካብ’ዚ  ክልተ  ርእይቶታት’ዚ  ዝነቅል  ድማ  ኣብ  ከመይ  ይወገድ ኣብ  ሓደ  ነጥቢ  ክመጽእ  ኣይከኣለን።  እቲ  ሓደ  ወገን  ኣብ  መንጎ  ህዝብታት  ኤርትራን  ህግደፍን  ዘሎ  ግርጭት መሰረታዊ  ናይ  ኣረኣእያን  ረብሓን  ፍልልይ  ስለዝኾነ፡  ብመሰረታዊ  ለውጢ  ደኣምበር፡  ብልመናን  ጽገናን ኣይፍታሕን  ክብል  እንከሎ፡  እቲ  ካልእ  ከኣ  ምስ  ህግደፍ  ዘለና  ፍልልይ  እቲ  መንግስቲ  ባዕሉ  ኣብ  ውሽጡ ብዝገብሮ ምምሕያሻት ክዕረ ዝከኣል’ዩ።  ስለዚ ክልብም ደጋጊምካ ምምካርን ናብኡ ዝደፍእ ጸቕቲ ምግባርን ጥራሕ  እኹል’ዩ።  ፍልልይና  መሰረታዊ’ዩ  ዝብሉ  ወገናት  ግጉያትን  ናይ  ደገ  ልኡኻትን’ዮም። 

ንጹርነት ዘይብላ ኣኼባ ንቀብሪ ህግደፍ ተርሕቃ እምበር ነይተቅርባ

ተኣምራታዊ ውዕሎ ሰላማዊ ሰልፊ 21/6/2016 ኣብ ጀነቭ ልዕሊ ወግዓዊ ኣዋጅ ሞት ጉጅለ ሸፋቱ ህግደፍ ክሳዕ ሕጂ ዝጽንሔ ተቃውሞ ጉዕዞታት ጌጋኡን ኣገባቡን እንታይ ከም ዝጸንሔ ምሂሩና እዩ። በዚ ዘይተማህረ እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ እቲ ጉዕዞ ቃልሱ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘይኮነ ከም ማእቶት መነባብራኡን ሓላሚ ተስፋኡን ጥራሕ`ዩ እንተበልኩ ሓቂ እምበር ኣጋንኖ ኣይኮነን።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ናይ ኤውሮጳ ዑደቱ ኣቋሪጹ ናብ ኣስመራ ክምለስ ከምእተኣዘዘ ተገሊጹ

Osman Saleh

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ  ምስ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ራድዮ ፍራንስ ኢንተርናስዮናል እተባህለ ህዝባዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ  እቶም ብልምዲ ‘ጉጅለ 15’ ተባሂሎም ዝግለጹ ኣርካናት እሱራት ፥ ‘ብህይወት ኣለዉ ንፍርዲ ኪቐርቡ እዮም’  ክብል ድሕሪ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዑደቱ ብምቁራጽ ብቕጽበት ንኣስመራ ክምለስ ከምዝተኣዘዘ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ መግለጺኡ እቶም እሱራት ናይ ‘ፖለቲካ ቕዩዳት’ ሙኻኖም፥ ብሙሉኦም ብህይወት ከምዘለዉን ንፍርዲ ኪቐርቡን ክልቀቑን ሙኻኖም ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ልዑል ቁጠዐ ከምዘስዓበ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ድሕሪ እዚ ፍጻመ፥  ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ብመንገዲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ብዝተመሓላለፈሉ መምርሒ መሰረት፥  ኣቶ ዑስማን ዝኾነ ተወሳኺ ጋዜጣዊ መግለጺታት ካብ ምሃብ ኪቑጠብን ናብ ኣስመራ ብቕልጡፍ ክምለስን ከምዝተኣዘዘ ምንጭታት  ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ገሊጾም።

Source: Medrek

ምጽናት ወለዶታት ቅድሚ ስርዓት ህግደፍን ባህርን ግብርን ህግደፍን

ኣብ ከባቢ 1914 ኣቢሉ ይኸውን ኣብ እዋኑ ንሃገረ ቱርኪ ዝመርሕ ዝነበረ ዖስማናዊ ኢምበራጦርያ ወይ ሃጸያዊ ኣገዛዝኣ፡  ሃገራዊ  ባይቶ  ጸዊዑ  ድሕሪ  ዘካየዶ  ኣኼባን  ዝበጽሖ  ሓባራዊ  ውሳኔ  ዓሌት  ኣርሜናውያን  ንምጽናት ይእውጅ።

ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ምሩዅት ኵናት ኤርትራ፣ ቆላሕታ ንምርካብ ሓገዝ ይሓቱ

POWጅቡቲ ዝርከቡ 19 ምሩዅት ኵናት ኤርትራ ካብ ዝኾነ ወገን ቆላሕታ ክረኽቡ ብዘይምኽእሎም ኣብ ከቢድ ሻቖልት ምህላዎም ሓቢሮም። ንሳቶም ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ካብ ዝተማረኹላ ዕለት ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ሸሞንተ ዓመታት ብዛዕባ ውሕስነት ህወይቶም ብስሩዕ ዝከታተል ኣካል ብዘይምህላው፣ ኣደዳ ሕማምን ጭንቐት ኮይኖም ምህላዎም'ውን ገሊጾም።

2 ካብኣቶም ርእሰ ቅትለት ንምፍጻም ፈቲኖም ብብጾቶም ክድሕኑ እንከለዉ፣ 3 ከኣ ናይ ኣእምሮ ሕማም ጌሮም ምህላዎም'ዮም ጠቒሶም።

ብመትከል ዘይተገርሐ ኣራኣእያ ንድኽመትን ገበንን ብማዕረ ክፈርድ ኣይስከፍን

ዝወጠንካዮ  መደብ  ብብቕዓትን  ብግዜን  ኣብ  መፈጸምታኡ  ከተብጸሖ  ዘይምኽኣል፡  ምኽንያቱ  ድኽመት  ወይ ድማ  ሕጽረት’ዩ። 

ሕንጉጉ !

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ:::ሕንጉጉ፡ እንታይ ይመስል ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣእሙረይ ዝኾነ ስእሊ የለን። ግና ኣነ ልክዕ ከምቶን ካለኦት ህጻናት ኣብ ቁልዕነተይ በዚ ተምሳሉ ዘይፈልጦ "ፍጡር ተፈራርሔ`የ።

ሃገራዊ ባይቶ ሆላንድ ስርዓት ህግደፍ ኣብ...............

ሃገራዊ ባይቶ ሆላንድ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገሩን ኣብ መላእ ኤውሮጳን ዝገብሮ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ንምቁጽጻር ዘኽእሎ መደብ ሰሪዑ ባይቶ ሆላንድ ስርዓት  ህግደፍ፡  መንእሰያት ህግደፍ ኢሉ ብዝጽወዖ ዝተወደበ ግን ድማ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ብቐረባ  ክከታተሎ  ምጽንሑ  ብምግላጽ፡  ካብ  ሕጂ  ንደሓር  ኣብ  ሃገሩ  ኮነ  ኣብ  መላእ  ኤውሮጳ  ንዝገብሮ ዘይሕጋዊ  ስለያዊ  መርበባት  ብምክትታል  ሕጋዊ  ስጉምቲ  ንምውሳድ  ዘኽእሎ  ውሳነ   ብምሕለፍ  ናይ ተግባር መደባት ከም ዝሓንጸጸን ገዳብ ኒውስ ብ30 ሰነ 2016 ገሊጹ።

ሓቅን ሓሶትን፣ ግንባር ንግንባር!!

ከምቲ ወለድና ዝምስልዎ ኢዩ፣ ሓሶትን ስንቅን እናሓደረ ይፈኩስ ከም ዝብሃል፣ ጃንዳ ህግደፍ ዋላ'ኳ ከም'ቲ ባዕልዕም ዝብልዎ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ሓዊሶም ኣብ ጀነቭ ሰልፊ ኣካይድና እንተበሉ፣ ሓሶቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ዝያዳ ካዕቢቱ ኢዩ ተራእዩ። ብዕለት 23 06 2016 ብደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ጃንዳ ህግደፍ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ነቲ ጃንዳ ህግደፍ ኣካይድናዮ ዝብልዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብብዝሑ ኮነ ብዓይነቱ ዝተዓጻጸፍ ቁጠዐ ህዝቢ ዘገንፈለ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብ በዓል ናጽነት ዝተራእየ ብልሽውና ስለምንታይ ተሸፊኑ?

መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ጽምብል ናጽነት ንምክያድ፡ ብሃገር ደረጃ ናይ ሓምሳን ሽዱሽተን ሚልዮን (56. 000.000) ናቕፋ ወጻኢ ከምዝተገብረሉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ብዞባታት ዝተገብረ ወጻኢታት ግና ኣብዚ ሕሳብ’ዚ ኣይኣተወን።

እቲ ኳሓሊ ዝመስል ኣንቋሪ ፍጡር ተስፋጺዮን መን`ዩ?

ኣብዛ ትሒታ ቀሪባ ዘላ ቪድዮ ክሊፕ ሓደ መስደመም ስማዕ ሰሚዕኩም: ዋእ!ኣንታ በየን ዝነጠበ ድኣሉ እዚ’ኸ? ከምዚ ዝዓይነቱ ኳሓሊ ዝመስል ኣንቋሪ ፍጡር ከ ኣሎ ዲዩ? ከምትብሉ ፍጹም ኣይጠራጥርን። ስለዚ ካብ’ዚ ነቒለ እምበኣር፡ ብዛዕባ’ዚ ሰብ እዚ ገለ ክብል እኳ እንተኾንኩ: ኣብቲ ነንሓድሕዱ ዝዋቓዕ ትንተንኡ ኣትየ ክዛረብ ግን ኣይኮንኩን: ምኽኒያቱ ባዕልኹም ሰሚዕኩም ፍርድኹም ክትህቡ ስለ እትኽእሉ።

ኣብ ሱዳን ጽዑቕ ግፋ ክካየድ ስለዝኾነ፡ ዜጋታትና ክጥንቀቑ ንሕብር።

ሰበ ስልጣናት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ሰፊሕ ተፍትሽ ብምክያድ ጽዑቕ ግፋ ንምክያድ መደብ ከምዘሎ ዝበጽሓና ሓበሬታ  ይገልጽ፡፡ ግፋ ንምክያድ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝጥቀስ ብዝተፈላለዩ ምምሕዳራት ክቐርብ ዝጸንሔ ጥርዓናት መሰረት ገይሮም ከምዝወሰኑ ይፍለጥ። ምኽንያቱ ኣቐዲሙ ብምምሕዳር ጅሬፍ፣ ምምሕዳር ኣምትዳድ፡ ምምሕዳር ሰሓፋን ምምሕዳር ዴምን ኣቐዲሞም ናብ ማእከላይ መንግስቲ ሱዳን ጥርዓናት ኣቕሪቦም ከመዝነበሩ ይግለጽ።

ካብ ኣስመራ ናብ ጀኔብ ጉዕዞ 25 ዓመት

ክሌራንስ ዳሮው ዝተባህለ ውሩይ ተጣባቒ ስቪላዊ መሰላት “ ነፍስ ወከፍ  ገዛእ ርእሱ ከም ሓርበኛ ጌሩ ዝርኢ ሰብ፡  ንጭቆና  ኣበርቲዑ  ክቃወም  ኣለዎ።  ብሕልፊ  ኣብ  ህዝቡን  ሃገሩን  ዝፍጸም  ጭቆና” ይብል።  ኤርትራዊ ሓርበኝነት  ኩሉ  ግዜ  ምስተጠቕዐ፡  ኩሉ  ግዜ  ግዳይ  ምስኮነ’ዩ።  ኣብ’ዞም  ዝሓለፉ  25  ዓመታት  ኣብ  ልዕሊ ኤርትራዊ  ሓርበኝነት  ዝተፈጸመ  ግፍዒ  መዘና  ዝርከቦ  ኣይኮነን።  ግፍዒ  ኣብ  ውሽጢ  ኤርትራ፡  ግፍዒ  ካብ ኤርትራ  ወጻኢ።  ኩነታት  መጥቃዕቲ  ድማ  ጥርዚ  በጺሑ  ኣሎ።  ስለዚ  ኤርትራዊ  ሓርበኝነት  ንምዕቃብ፡  ኣብ ናይ ቀደም ደረጃኡ ንምምላስ ሓያል ጻዕርን መስዋእትን ክኽፈለሉ ዘለዎ ኮይኑ ይረኣየኒ

አብ 4- ቦታታት ኤርትራ ጽሑፋት ተዘርጊሑ።

ውፉያት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ (4) አርባዕተ ቦታታት ጽሑፋት ዘርጊሖም። ማለት አብ ኣስመራ መዓርፎ ኣውቶቡስ (ዕዳጋ ሓሙስ) ከተማ ባረንቱ፡ ዒላ በርዒድን ደብረሲናን እዮም።
ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደብረሲና ሰነ,28/2016 ንምኽባር ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ሰባት ብመንገዲ ዒላ በርዒድ ስለዝጎዓዙ እቲ ጹሑፋት ኣብ ኢድ ብዙሓት ሰባት ክበጽሕ ኪኢሉ’ዩ። ገለ ትሕዝቶ ካብቲ ጹሑፋት ብ 23- ግንቦት- 2016 ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብደለይቲ ፍትሒ ዝተራእየ ሰፊሕ ተሳታፍነት፣ ድምቀቱን ዝነበረ ድምጽን ዝገልጽ እዩ። በዚ ፍጻሜዚ ዝተሻቐሉ ትካላት ስርዓት ህግደፍ፣ አዛዚ ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ ኮለኔል ልብሱ ተስፋሚካኤል ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት፣ ፖሊስ ንዒላ በርዒድ ተዋፊሮም ንከረንን ኣስመራን ዝኸዳ ኣውቶቡሳት ጠጠው አቢሎም ንህዝቢ ጽዑቅ ተፍትሽ አካይዶም። ዕላማ እቲ ተፍትሽ ንዝተዘርግሐ ጹሑፋት ካብ-ናብ ንከይመሓላለፍ ካብ ጸጥታዊ ስግአት ዝብገስ ስጉምቲ እዩ።

ቃል መሪር ሓዘን

/ሮ ሳዕድያ ማሕሙድ፣ ወላዲቱ ንብጻይ ጃብር ያሲን ኣባል ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ብሰንበት ዕለት 19 ሰነ 2016 ብሞት ካብ’ዛ ዓለም ተፈሊየናና፣ ብዕለት 22 ሰነ ከኣ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሐመድ ኣዳም ለቢሰን።

ብስም ኩሎም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብሞት ክብርቲ ኣዲና ወ/ሮ ሳዕድያ ዝተሰማዓንና መሪር ሓዘን ብምግላጽ፣ ንብጻይ ጃብርን ንኩሎም ስድራ-ቤትን ኢማንን ኣኻእሎን ይሃብብኩም ንብል። ንክብርቲ ኣዴና ከኣ ረቢ ኣብቲ ሰፊሕ ጀንኡ ይቀበለን።

 

ፈጻሚ ኣካል

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

23 ሰነ 2016

ብፈጠዚያን ፕሮፖጋንዳዊ ሃልክን ሃገር ኣይትህነጽን

ጭቁናት  ኣብ  ትካዜ  ኣብ  ሕልምልም  ጥራሕ  ኣይኮኑን  ዝነብሩ።  ሓደ  ግዜ  ኣብ  ዓመት  ካብ’ቲ  ናይ  ብሓቂ  ትካዜን ሕልምልምን  ዓለም  ወጺኦም፡  ግን  ከኣ  ኣብ  ዘይናይ  ሓቂ፡  ናይ  ሕልሚ  ዓለም  ክኣትው  ክጥሕሉ  ይግደዱ’ዮም።  ኣብ  ገለ
ብዝተደናገረ  ውዴታ፡  ኣብ  ገለ  ሃገራት  ከኣ  ብሓይሊ  ብግዴታ።  እዚ  ከምዚ  ዝበለ  ናይ  ሕልሚ  ዓለም  መለለይኡ ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳን ዘሰነዮ ፈንጤዚያ ዳንኬራ’ዩ።

ኮሚሽን መርማሪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከቢድ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ ይብል

ብናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሰየመ ኮሚሽን መርማሪ ኣብ ኤርትራ ከቢድ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ ትማሊ ሰሉስ ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቡ ኣሎ። ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ነጺግዎ ኣሎ። ዝተፈላለያ ሃገራት ድማ መርገጺአን ኣቕሪበን ኣለዋ።

መርሆ

ብባህርን ምስልን ንክልተ፡ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ኩነት ዝጣመሩ ተርእዮታት ብማዕረ ዝውክል፡ ማንታ ትርጉም ዘለዎ ኣምር ወይ ቃል’ዩ፡፡ ካብ ድቅድቕ ጸላም፣ ካብ ዓሚቕ ባዓቲ ወይ’ውን ካብ መሪር መግዛእታዊ ኣርዑት ሓራ ንምውጻእ ዘገልግል፡ መዋጽኦ ወይ’ውን ባብ ራህዋ ክህሉ ግድን’ዩ፡፡ እዚ ባብ’ዚ ካብ ጭንቅን ሕሰምን ዘናግፍ መስተርሆ ናይ'ቲ ኣደራዕ ብምዃኑ፡ እቲ ባብ መርሆ’ዩ፡፡

ናብ’ቲ ክትበጽሖ እትብህጎ መስተርሆ-ባብ፣ ጫፍ ዓወት ንምብጻሕ፡ ንጊዚያዊ ግድላት ካብ እምኒ-ዓረ ብዝተረረ ጽንዓት፣ ውፉይነትን ቅሩብነትን ምብልሓት ዝሓትት’ዩ፡፡ ምንጪ ናይ’ዚ ተኣምራታዊ ሓይሊ፡ ብንጹር ራእይን እስትራቴጂን ዝግራሕ ቅኑዕ መስመር ምዕታር ድማ የድሊ፡፡ እዚ ቅኑዕ መስመር’ዚ መንገዲ ዓወት’ዩ፡፡ ነዚ መንገዲ ዓወት ዝቕልስ ከኣ መርሆ’ዩ፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባን መዓስከር ማይ ዓይንን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንመርማሪት ኮሚሽን ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

Add

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሎሚ ሓሙስ 23 ሰነ ካብ ከባቢ ገነት ሆቴል ተበጊሶም ዝተፈላለየ ጭርሖታት እናስምዑ ክሳብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ ከምዘምርሑ'ውን ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ንኤርትራዊ ሃብቶም ዘርኦም ብምቕታል ዝተኸሰሰ እስራኤላዊ ፖሊስ፡ ብቤት ፍርዲ ናጻ ተባሂሉ

ሃብቶም ዘርኦም

ቤት ፍርዲ እስራኤል ንክሱስ ሃናንያ ሻባት፡ ካብ ቅትለት ኤርትራዊ ሃብቶም ዘርኦም ናጻ ዝበሎ፡ “ተግባራቱ ምኽንያታዊ `ዩ ኔሩ” ብዝብል`ዩ።

 

Former Eritrean Freedom Fighters and High-ranking Officials (now exiled) call upon the ICRC to visit Political Prisoners in Eritrea*

In an interview with Radio France International (RFI), on June 20th, 2016, the Foreign Minister of Eritrea, Mr. Osman Saleh, announced that all prisoners, and particularly those high-ranking government officials and veterans of Eritrea’s liberation struggle (aka G15) and journalists of the private press, who were arrested on September 18, 2001 and in its immediate aftermath, “are all alive” and “in good hands”.

ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ስቶክሆልም

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - ጨንፈር ሽወደን፣ ንድፍታት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንምክታዕን ርእይቶን ህዝቢ ንምስማዕን፣ ኣገዳሲ እኬባታት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ሕጂ’ውን ደጊምና ከነዘኻኽር ንፈቱ። ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝቐርቡ ሰነዳት፣ ህንጻ ሕግን፣ ፖለቲካዊ ቻርተርን፣ ሓባሪ መንገዲን (ሮድ ማፕ) ኢዩ። ኣገዳስነት ናይዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባታት ብምርኣይ ኩሉ ሃገራዊ ኣብቲ ተወሲኑ ዘሎ ግዜን ቦታን ክርከብ ብኽብሪ ነዘኻኽር።

ኣማኢት ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ዝርከብዎም ደገፍቲ ህግደፍ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

Geneve

ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎ ተቓውሞ ንምግላጽ ሎሚ 21 ሰነ ኣብ ጀኔቫ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ። እቶም ካብ ኣመሪካ፣ ካናዳን ኤውሮጳን ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ብምትእኽኻብ፣ ንመርማሪት ኮሚሽንን ጸቕረበቶ ጸብጻብን ኮኒኖም።

እቲ "ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ" ዝብል ጸብጻብ ከኣ፣ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ'ዩ ክብሉ ነጺጎሞ።

ኤርትራ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውንትን ደው ይብል! ጋሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ናጻ ፍርዲ ይቕረቡ!

ነቲ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮምሽን መርማሪት ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ጸብጻብ ብምድጋፍ ነዚ ኣቤቱታት/ፔቲሽን ክመዝድግፍ ብክታመይ የረጋግጽ።

 

 

ዝበዝሐ ሃገራት ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም ኣሎ ንዝብል ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ከምዝድግፋ ገሊጸን

Geneve

ሎሚ 21 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ባይቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፋ ሃገራት፣ መብዛሕተን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ከምዝድግፋ ኣረጋጊጸን።

ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ንዝብል እማመ'ውን ደጊፈን።

ሚኒስትሪ ዜና፣ ብሰንኪ ብዝሒ ስደት ኣባላቱ ብኸቢድ ካብ ዝተሃስዩ ትካላት መንግስቲ ሓደ ምዃኑ ተሓቢሩ

Forto

ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ብብዝሒ ናብ ስደት ይውህዙ ብምህላዎም፣ እቲ ሚኒስትሪ ሓደ ካብቶም ብኸቢድ ተሃስዮም ዘለዎ ትካላት መንግስቲ ምዃኑ ተሓቢሩ። ደገፍቲ ህግደፍ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ጄኔቫ ንዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ብቀጥታ ብኤሪ ቲቪ ንምትሕልላፍ ካብ ዝተላእከኡ ሰለስተ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ሓደ ዑቕባ ንምሕታት ድሕሪ ምትራፉ፣ ተወሳኺ መብርሂ ንምሕታት ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኣባላት እቲ ሚኒስትሪ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣስታት 27 ዝኾኑ ኣባላት እቲ ሚኒስትሪ ከምዝተሰዱ ኣረጋጊጾም።

ኤርትራውያን ቪቫ ናብ ጀነቫ ኵላትና ኣብ ወጻኢ

ኤርትራውያን ቪቫ ናብ ውሽጢ ኣብ ቀረባ መጻኢ
ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ጎረባብቲ
ቅድመ-ግንባር ዘለኹም ተቓለስቲ
ዕድመ ህግድፍ ተወዲኡ መዓልቲ
ውራይና ነመዓራሪ ንፍትሒ ደለይቲ፡

ዓወትን ፍሽለትን ጉዕዞ 25 ዓመት እንክነጻጸር፡

ምዕባለ  ሕብረተ-ሰባት  መስርሕ’ዩ።  ነቲ  መስርሕ  ክቕልጥፍ  ወይ  ክዝሕትል፡  ንድሕሪት  ክዕጸፍ  ወይ ንቕድሚት  ክግስግስ፡  ኣብ  መወዳእታ  ከኣ  ክዕወት  ወይ  ክፈሽል  ዝውስን  ግን፡  እታ  ሃገር  ትምረሓሉ ትመሓደረሉ  ዓይነት  ፖለቲካዊ  ምሕደራ፡  ብቕዓት፣  ህዝባዊ  ወገናውነት፣  ተሓታትነት፣  ተወፋይነት  ዘለዎ ኣመራርሓን  ንሱ  ዝቐርጾ  ስትራተጂታት፡  ፖሊሲታት፡  ግብራዊ  ኣፈጻጽማኡን’ዩ።  ቅድሚ’ዚ  ረቛሒታት ዝስራዕ  ንዕቤትን  ዓወትን፣  ንውድቀትን  ፍሽለትን  ሓደ  ሕብረተ-ሰብ  ዝውስን  መዕቀኒ  የለን።  ተሓታትነት ዘይብሉ  ምልካዊ  ፖለቲካዊ  ምሕደራ  ልዕልነት  ኣብ  ዝሓዘሉ፡  ኣብ  ዘለኻዮ  ጋም  ማን  ምባል፡  ኣይምውት ኣይስሩር  ኮይንካ  ምሰሓግ፡  ኣብ  መወዳእታ  ከኣ  ፍሽለት  ምዃኑ  ኣየከራኽርን።

ኣማን ብኣማን ልምዳዊ ፖለቲካዊ ኣምልኾ

ተመራመርቲ  ማሕበራዊ  ስነ-ፍልጠት፡  ወዲ-ሰብ  ብህይወት  ንክነብር  ብቐዳምነት  ሰለስተ  መሰረታዊ  ነገራት  ክረክብ ኣለዎ  ኢሎም  ይመኽሩ  ይምህሩ።  መግቢ፡  ክዳን፡  ገዛ።  ሓቂ  ብሓቂ  ወዲ-ሰብ  ነዘን  ሰለስተ  ነገራት  እንተዘይረኺቡ
ብህይወት  ንምቕጻል  ዝህልዎ  ዕድል  ኣዝዩ  ጸቢብ  ናይ  መዓልታት  እንተ  ነውሐ  ከኣ  ናይ  ወርሓት’ዩ  ዝኸውን።  ኢሳያስ ስጋ ዝለበሰ ሰብ’ዩ። መግቢ፡ ክዳን፡ መጽለሊ የድሊዮ። ካብ’ቲ ካልእ ፍልይ ዝበለ ባህሪ ስለዘለዎ ግን፡ ብህይወት ንክነብር
ካልእ  ተወሳኺ  ራብዓይ  ነጥቢ  የድልዮ።

ምድላብ ዘይተኣደነ ሃብቲ፡ ቅድሚ ሰብኣዊ ሕልናን ሰብኣዊ መሰልን ክሳብ ዝተሰርዐ ህልቂት ባሕሪ ኩሉ ግዜ ከጋጥም’ዩ።

ስርዓት  ህግደፍ  ንዓና፡  ቅዋም፣  ባይቶ፡  ምርጫ  ጥራሕ  ኣይኮነን  ነፊጉና።  እንታይ  ደኣ፡  ግዳያት  መባእታዊ  መሰረታዊ መሰላት  ጌሩ’ዩ  ኣብ  ኣብያተ  ማእሰርቲ  ክንማስን፡  ኣርሒቕና  ክንስደድን  ግዳይ  ሳዕቤናት  ስደት  ክንከውንን’ውን ፈሪዱና።  ብዘይካዚ  ስንክሳርነት  ብኢሳያስ  ዝምራሕ  ጉጅለ፡  ማእከል  ሰፈርቲ  ጠቕሚ  ፈሊጣውያን’ውን  ኢዶም ዝሓወስሉ’ዩ።  ግዳያቶም  ከኣ  ኩሎም’ቶም  ህይወቶም  ከድሕኑ  ክብሉ  ብዘይልቦም  ኣብ  ኢዶም  ዝወድቁን  ዝጠፍኡን ዘለው  ኤርትራውያን’ዮም። 

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ብ8 ሰነ 2016 ምስ ኣቶ ረዘነ ኣብራሃ ናይ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

ሕቶ፡  ለውጥስ  የድሊ’ዩ  ግን  ከመይ  ጌርካ’ሞ፡  ውድባት  በዚሐን  ናይ  ምምራሕ  ቦታ  ኣሃባናን  ወይ  ኣይህባንና ዝብሉ  ምዕዝምዛማት  ይስማዕ’ዩ።  ስልጣን  ተቓልስካ  በቒዕካ  ተወስዶ  ደኣምበር  ብትካቦ  ዝልገስ  ከምዘይኮነ ብዙሕ ግዜ ተዘሪብሉ’ዩ። ከም ምኽንያት ዘቕርብዎ ግን እዚ ዝብለካ ዘለኹዩ’ሞ እቲ ኣሎ ዝበሃል ውደባታት’ከ ኣብ  ጽፈቱ  ዝኽተልዎ  ፖለቲካዊ  ስነ-ሓሳብ  እንታይ  ይመስል? ንኹሉ  ዘሳትፍ  ንለውጢ  ድማ  ዝዕድም  ብንጹር ጸረ’ቲ ስርዓት ዘትከለ ድዩ ከመይ’ዩ ትዕዝብትኻ?

መንግስቲ ህግደፍ ናብ ጀኔቭ ካብ ዝለኣኾም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ሓደ ነቲ ስርዓት ራሒሪሑ ዑቕባ ሓቲቱ ተባሂሉ።

መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ዝቐመጡ ብርሑቕ ብጅሆ ዝሓዞም ኤርትራውያንን ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ እምነት  ዘይብሎም  ተቓውምቲ  ውድባት  ኢትዮጵያን  ወዲቡ፡  ኣንጻር  መርማሪት  ኮሚሽን  ኣብ  ጀኔቭ  ንዘካየዶ ሰላማዊ ሰልፊ ክጽብጽቡ ካብ ዝለኣኾም ሰለስተ ጋዜጣታት፡  ኣሕመድ ዑመር ዝተባህለ ጋዜጣ፡ ብኡ ንብኡ ካብ ጉጅለኡ ከም ዝተሰውረ ረዲዮ ኤረና  ብ27 ሰነ 2016 ሓቢራ።

ሓባራዊ መግለጺ ደገፍ ንውጽኢት ሽማግለ መጽናዕቲ((commission of Inquiry) ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ

ህዝቢ  ኤርትራ  ንርብዒ  ዘመን  ዝኣክል  ኣብ  ትሕቲ  ፍጹም  ገባቲ  ስርዓት  እናተጨፍጨፈ፡  ብሕሱም  ድኽነትን  ጥሜትን እናተሳቐየ  ክነብር  ጸኒሑን  ኣሎን፡፡  ገባቲ  ስርዓት  ህግደፍ  ግን፡  ናይ  ርብዒ  ዘመን  ናይ  ነጻነት  ዓመታት  ብሩራዊ  እዮቤልዩ
ኣብ  እነኽብረሉ  እዋን፡  ቀልቢ  ማሕበረ  ሰብ  ዓለም  ብሓፈሻ፡  ዝተፈላለዩ  መንግስታት  ድማ  ብፍላይ፡  ክስሕብ፡  ላዕልን ታሕትን  ክብል  ሓግዩ።  ህዝቢ  ኤርትራ  ብሕጽረት  ኣድለይቲ    መዓልታዊ  ቀረባት  ኣብ  ከቢድ  ሽግር  ተሸሚሙ  እናሃለወ፡
ብሽም  ምድላው  መበል  25  ዓመት  ብሩራዊ  ኢዮቤልዩ፡  ብሚልዮናት  ዶላራት  ከፍስስ  ተራእዩ፤    ብኣንጻሩ  ህዝቢ  ኤርትራ ብሰንኪ  ገባቲ  ስርዓት  ህግደፍ፡  ወሊዱ  ከምዘይወለደ፡  ርእዩ  ዝሰኣኖም  ደቁ  እናዘከረ፡  ብጓሂ  ሓሪሩ  ዘይምሱል  መሲሉ፡ በብእዋኑ  ኣብ  ዘይዕድሚኡ፡  ኣብ  ውሽጢ  ሃገርን  ኣብ  ስደትን፡  ኣብ  ፎቖዶ  ምድረ-በዳን  ባሕርን  ብዘሰቕቕ  መንገዲ  ይቕዘፍ ኣሎ።